ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዳግም ናብ ሶማልያ ክምለሱ ከምዝኽእሉ ይንገር ኣሎ


ንVOA መብርሂ ዝሃቡ ዲፕሎማት ግን፡ እቲ ስትራተጂ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ AMISOM ክኣትዉ ዝጽውዕ ኣይኮነን ይብሉ

ወተሃደራዊ ስትራተጂ ሶማል ንምውጻእ መራሕቲ ኢጋድ ዝመጽእ ዓርቢ ክራኸቡ`ዮም ዝብል መደብ ኣሎ። ሓንጸጽቱ ከምዝብልዎ፡ ኢትዮጵያ ትርከበን ሃገራት ኢጋድ ኣብቲ ጻዕሪ ክሳተፋ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ኸተባብዐን`ዩ።

ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብብዙሓት ሶማልያውያን ኣይፍተውን፡ ምኽንያቱ ኣብ 2006 ንሶማልያ ኣብ ዝኣተውሉ ብጭካነኦም ስለዝዝክርዎም። ህላዌ ወተሃደራት ኢትዮጵያ መሳርሒ መመልመሊ ኣልሸባብ ኾይኑ ምስተረኽበ ኸኣ ኣንሳሒቦም።

እቲ ኹነታት ሕጂ ተቐይሩ`ዩ ይብሉ ወሃቢ ቓል-ኢትዮጵያ።

ብኻልእ ወገን ንVOA መብርሂ ዝሃቡ ዲፕሎማት፡ እቲ ስትራተጂ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ AMISOM ክኣትዉ ዝጽውዕ ኣይኮነን ይብሉ፡

ንምሉእ ጸብጻብ ናብ ምልክት ድምጺ ኺዱ፡

XS
SM
MD
LG