ሃገራዊ ጉባኤ ሱማሊያ ሓድሽ ረቂቕ ሕገ መንግስቲ ብዓብላሊ ድምፂ ኣፅዲቑዎ።እዚ ኣብታ ሃገር ንዝፀንሐ ነዊሕ ፖለቲካዊ ስግግር ንኸብቅዕ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
እቲ ካብ ከባቢኦም ብዝተሓረዩ ተወከልቲ ዝተጣየሽ ጉብኤ ነቲ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ሎማዕንቲ ረቡዕ ብ621 ደገፍ፡ብ13 ተቓውሞን 11 ድምፀ ተኣቅቦን ኣሕሊፉዎ’ሎ።
እቲ ጉባኤ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ናይ ቀደም ናይ ፖሊስ መሰልጠኒ ማእኸል ብፅኑሕ ናይ ፀጥታ ሓለዋ እዩ ተኻይዱ።
ክልተ ዓርሰ ቕትለታዊያን ቅድሚ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ናብቲ ኣዳራሽ ንኽኣትዉ ፈቲኖም እንተነበሩ’ውን ብሓይልታት ፀጥታ ከምዝተቐተሉ ተፈሊጡ’ሎ።ካብኦም እቲ ሓደ ኣብቲ እዋን ብዝተፈጠረ ግጭት ነቲ ቦምብ ኣፍነጂሩ ንብርክት ዝበሉ ሓይልታት ፀጥታ ከምዘቑሰለ’ውን ሰበስልጣን ሓቢሮም ኣለው።
ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ዝኾኑ ኣምባሳደር ኣጉስቲን ማሂጋ እቲ ሓዱሽ ሕገ መንግስቲ ምሕላፉ ሱማሊያ ሓደሽቲ ፖለቲካዊ ትካላት ንምምስራት ትቀራረብ ከምዘላ ዝሕብር እዩ፡ሕጉስ እውን እየ ኢሎም ኣለው።
መራሕቲ ሱማሊያ ብሕቡራት መንግስታት ዝፀደቐ ስልጣን መሰጋገሪ መንግስቲ ዝቕፅል 20 ነሓሰ ቅድሚ ምብቅዑ ሓድሽ ፓርላማን ሓድሽ ፕሬዝዳንትን ክመርፁ ኣለዎም።