ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምብራቓዊ ክፋል ኣሜሪካ ካብ ዝቀነየ ህቦብላ በረድ ይናገፍ ኣሎ


ብመሸምቦባ በረድ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ዝተወቅዐ ዞባ ምብራቃዊ ዩናይትድ ስቴትስ ናብ ንቡር ክምለስ ገና መዓልታት የድልዮ’ዩ ተባሂሉ።

መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ሎሚ ሶኑይ’ውን ተዓጽዮም’ዮም ውዒሎም። ሰራሕተኛታት ህጹጽ እዋን ኸአ ብበረድ ንዝተሸፈነ መንገድታት ኣብ ምጽራግ ይርከቡ። ቅድሚ ትማሊ ቀዳምን ሰንበትን ተቋሪጹ ዝነበረ መጉዓዝያ ባቡር እታ ከተማ ግን ሎሚ ሶኑይ ብከፊል ስርሑ ጀሚሩ’ሎ።

ኣብያተ ትምህርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ተዓጽየን ኣለዋ። አብተን ሰለስተ ዓበይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተወሰነ በረራታት ምጅማሩ’ውን ክፍለጥ ተካኢሉ’ዩ። ኣብ እዋን እቲ መሸምቦባ በረድ ክሳብ 4,500 በረራታት ዝተፈላለያ መገዲ ኣየር ተቋሪጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ገለ ከተማታት ገማግም ባሕሪ ክፍለ-ግዝኣት ኒው ጀርሲ፣ መሸምቦባ በረድን ምዕልቕላቕ ውሕጅን ኣጋጢሙወን’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ምስዚ መሸምቦባ በረድ ብዝተሓሓዝ 24 ሰባት ሞይቶም ኣለው። እዚ ኣብ ምጽራይ ኩምራ በረድ ንዝነበሩን ብሕማም ልቢ ዝሞቱ ሰባትን’ውን ዝሓወሰ’ዩ።

እዚ መሸምቦባ በረድን ንፋስን ነዚ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ኣየር ኣጋይሽ ዝኾና ከተማታት ባልቲሞር፣ ዋሽንግተንን ኒውዮርክን ለኪሙወን ኣሎ።

ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ብኣስታት 76 ሰ.ሜ ኩምራ በረድ ዝተሸፈነ ኽከውን ከሎ ባልቲሞር ብ74 ሰ.ሜ፣ ኒው ዮርክ ብ68 ሰ.ሜ ምሽፋኑ ተገሊጹ። እዚ መሸምቦባ በረድን ንፋስን አብ ከተማ ኒው- ዮርክ ካብ 1869 ዓ.ም ንድሓር ንመጀመርያ ጊዜ ዘጋጠመ ከቢድ በረድ ምኳኑ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

በዓል ሙያ ኩነታት ኣየር ኣብ ኣኩ-ዌዘር ጃክ ቦስተን እቲ መሸምቦባ በረድ ኣብ ዝበዝሓ ቦታታት ታሪካዊ መዝገብ ምሃዙ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምብራቓዊ ክፋል ኣሜሪካ ካብ ዝቀነየ ህቦብላ በረድ ይናገፍ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:37 0:00

XS
SM
MD
LG