ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምብራቓዊ ክፋል ኣሜሪካ ብኸቢድ በረድ ክሽፈን ምዃኑ ተንተንቲ ክሊማ ኣሚቶም


ኣብዚ ቕንያትዚ ምብራቓዊ ክፋል ኣሜሪካ ብኸቢድ በረድ ክሽፈን ምዃኑ ተንተንቲ ክሊማ ክእምቱ ከለው፤ ከንቲባ ዋሺንግተን ዲሲ ሙርየል ቦውሰር ድማ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጃላ።

ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ነዚ ክሳብ ሰንበት ወጋሕታ ወይድማ ክሳብ ሰኑይ ክቕጽል ዝኽእል ተርእዮ ቀዝሒ ዝተሓወሶ በረድ ጉድኣት ከየውረደ እንከሎ ብኣግኡ ልዑል ምድላው ኣብ ምግባር ይርከቡ።

Snow Clearing
Snow Clearing

ትንበያ ኩነታት ኣየር ከምዝሕብሮ እቲ ተርእዮ ቀዝሒ ዝተሓወሶ በረድ ንዋሽንግተን ብ ክሳብ 60 ሴ ሜ ዝብራኸኡ ኩምራ ክጎብኣዩ። እቲ ልዑል ምድላው ምዕጻው ህዝባዊ ኣገልግሎት መጒዓዝያ ሜትሮ ከምኡውን ምዕጻው ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ዓርቢ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ የጠቓልል።

ክሳብ 4500 በረራታት ዝተፈላለያ መገዲ ኣየርውን ተሰሪዙሎ። ህዝቢውን ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ መግብን ዝስተይን ክኽዝን ተነጊርዎሎ።

XS
SM
MD
LG