ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ኡጋዱጉ ዝተዋደደ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ


መንግስታት ብርኪና ፋሶን ፈረንሳን ጉጅለ ዕጡቓት ኣብ ዋና ከተማ ቡርክና ፋሶ ኡጋድጉ ንዝርከቡ ኤምባሲ ፈረንሳይን ባህላዊ ማእኸል ፈረንሳይን ሎማዕንቲ ዓርቢ ዝተዋደደ መጥቓዕቲ ምፍፆምም ገሊፆም።ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ፈረንሳይ ዢን-ይቨስ ለ ድሪያን ነቲ ኤምባሲ ዘጥቕዑ ኣርባዕተ ዕጡቓት ምስተቐትሉ እቲ ኩነታት ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ’ሎ ኢሎም።

ፀኒሑ ድማ ኣብ ዋና ወታደራዊ ቤት ጽሕፈት እታ ሃገር ቶኽሲ ተኸፍቲ ክልተ ኣጥቓዕቲ ተቐቲሎም ኢሉ’ሎ መንግስቲ።

ምስንቴር ሓበሬታ እታ ሃገር ረሚስ ፉልጋንስ ዳንጂኖው ንመንግስታዊ ቴሌቪዥን ኣብዝሃብዎ ቃል ገለ ፖሊሳትን ወታደራትን ከምዝቖሰሉ ሓቢሮም ኣለው።ዝሞቱ ስቪላት ግን ኣይተፈልጠን።

ዕጡቓት ካብ መንኪና ወፂኦም ቅድሚ ኣብ ልዕሊ እቲ ኤምባሴ መጥቓዕቲ ምፍፃሞም ኣብ ልዕሊ መንገደኛታት ቶኽሲ ምኽፋቶም መሰኻኽር ገሊፆማ ኣለው።

XS
SM
MD
LG