ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝናብ በልጊ ዘንጊዑ ምውቅዑን መጠኑ እውን ዝተሓተ ምዃኑን ተገሊፁ


ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ለካቲት ክሳብ ግንቦት ክወቅዕ ዝነበሮ ናይ በልጊ ዝናብ ዶንጉዩ ከምዝወቕዐን መጠኑ እውን ካብ ስሩዕ ንታሕቲ ምዃኑን ሃገራዊ ኤጄንሲ ሚትሮሎጂ ገሊፁ።

ናይቲ ኤጄንሲ ምኽትል ዋና ዳይረክተር ኣቶ ዱላ ሻንቆ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ሶማሊያ ዝለዓለ ሕፅረት ማይ ይርአ’ሎ ኢሎም።

ናይ ክረምቲ ዝናብ ገምጋም ኣብዝቕፅል ሰሙን ዕላዊ ከምዝኸውን ሓቢሮም ኣለው ኣቶ ዱላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ መሻርኽቱን ድርቂ ኣብዘጥቕዖም ከባቢታት ብምዝውዋር ናይ በልጊ ገምገም እናካየዱ ስለዝኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ዝወፀ መሕተቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዝኽለስ ድሕሪ እዚ ዝካየድ ዘሎ ገምጋም እዩ።

ዝናብ ትፅቢት ኣብዝተገብረሉ እዋን ብዘይምውቕዑ በዝሒ ብሰንኪ ድርቂ ዝሕገዙ ሰባት ካብ 5.6 ሚሊዮን ናብ 7.8 ምዕባዩን ካብዚ እውን ክውስኽ ከምዝኽእልን ምግላፁ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG