ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደገፍቲ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ስጉምቲ ምርቋሕ ኣባላት ካቢነ ይከፋፈሉ


ሰኔት ኣሜሪካ ብፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተረቑሓ መበል ራብዓይ ኣባል ካቢነ ትማሊ ሶሉስ አጽዲቑ’ሎ። ኣመሓዳሪት ኒኪ ካለይ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኽኮና ተመዚዘን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ ሪፖብሊካዊያን ኣባላት ሰነት ዲሞክራትን ብዙሕ ወጻኢ ዘለዎ ሓደገኛ ዝኾነ ምድንጓያት ኣብ ምድጻቕ ርቑሓት የርእዩ ኣለው ክብሉ ይኸሱ፡ ዲሞክራትስ ብወገኖም ብመሰረት ህገ መንግስቲ “ግቡእ ስራሕና ንሰርሕ ኣለና” ይብሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዝተረቑሑ ኣሰርተታት ሰባት ሚኒስትር ምኽልኻል ጆን ማቲስ፡ ሚኒስትር ሃገራዊ ድሕነት ጆን ኬሊን ዳይሬክተር ሲኣይኤ( CIA) ማይክ ፓምፐይን እዮም ሰነት አጽዲቑ ዘሎ እቶም ዝተረፉ ካልኦት ግን ገና ግምገማ ኣባላት ሰነት ከምዘለው ይፍለጥ።

ወሃቢ ቃል ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ሲን ስፔንሰር ከምዚ ይብሉ።

“ኣደንጃ ፕረዝደንት ንምስጓም ኮፍ ኢልና ንጽበይ ኣለና። ዝበዝሓ ክፋል ካብ ዲሞክራት ኣባላት ሰነት እቲ ካቢነ ነዚ ጉዳይ ሒዞሞ ኣለው። ኢኮኖሚን ፀጥታን ሃገርና’ዩ ኣብ ሓደጋ ዘሎ ስለዚ ነዚ ጉዳይ ክንዛዝሞ ኣለና።”

ብርግጽ ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎም ዲሞክራት ኣባላት ሰነት ንርቑሓት ናይ ምንጻግ ስልጣን የብሎምን እንተኾነ ግን ነቲ ሰነት ዝህቦ ድምጺ ንምጽዳቕ ርቑሓት ከደናጉይ ይክእል‘ዩ ከም ኣብነት ድማ ንርቑሕ ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ረክስ ቲልርሰን ክረአ ይኽኣል።

“ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካን ኣብ ዙርያ ዓለምን ብዙሕ ፍጻሜታት ኣብ ዘጋጥመሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንዝተረቑሓ ሰብ ንምጽዳቕ ምድንጓይ ወይ ነቲ መዝነት ምርግጋጽ ምዕንቃፍ ጭኻነ’ዩ” ይብሉ ሰነተር ቦብ ኮርከር።

ብኣንጻሩ ሰነተር ቸክ ስኩመር ዲሞክራት ኣባል ሰነት ድማ ስራሕና ብግቡእ ንሰርሕ ስለዘለና ኩርዓት ይስመዓና ኢሎም።

ሽሕ’ዃ ሪፖብሊካን ምስ ዘለዎም ዝበዝሓ ድምጺ ኣብ ሰነት ኣሜሪካ ብዘይ ድጋፍ ኣባላት ዲሞክራት ንነፍሲ ወከፍ ብፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተረቑሓ ኣባል ካቢነ ከጽድቑ ይክእሉ እንተኾነ እቲ ሕቶ ግን ብቅልጡፍ ርቑሓት ከጽድቑ ይክእሉ’ዶ ዝብል እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ደገፍቲ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ስጉምቲ ምርቋሕ ኣባላት ካቢነ ይከፋፈሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:12 0:00

XS
SM
MD
LG