ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ሰሜን ኮርያ ንዝወንጨፈቶ ሚሳይል ኮኒኑ


ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሰሜን ኮርያ ንዘካየደቶ ዳሕረዋይ ምትኳስ ሚሳይል ኮኒኑ።

15 አባላት እቲ ባይቶ ብምሉእ ድምጺ ነቲ ማእኸላይ ርሕቐት ዘለዎ ‘ሁሶንግ 12’ ዝተባህለ ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዝተፈተነ ሚሳይል ንናይ ሕቡራት ሃገራት አባል ሃገራት ስግኣት ዝፈጥር እዩ ክብላ ትማሊ ነቐፈታአን ገሊጸን።

ሰሜን ኮርያ ነዚ ፕሮግራማት ሚሳይል ክትሓድጎ’ውን ሓቲቶም አለው።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃለይ ብዛዕባ’ቲ ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ ኣብቲ አኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘስምዖኦ መደረ እዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ክቕጽል ክፍቐድ የብሉን ኢለን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ሰሜን ኮርያ ንዝወንጨፈቶ ሚሳይል ኮኒኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00

XS
SM
MD
LG