ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ንናይ ሰሜን ኮርያ ምውንጫፍ ሚሳይል ዝምልከት ዕጽው አኼባ ከካይድ’ዩ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንናይ ሰሜን ኮርያ ምውንጫፍ ሚሳይል ብዝምልከት ሎሚ ሶሉስ ዕጽው አኼባ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ።

ሰሜን ኮርያ ዝወንጨፈቶ ናይ ማእኸላይ ርሕቀት ሚሳይል ብሃገረ ጃፓን ብምሕላፍ ኣብ ክልተ ብምኽፋል ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ምውዳቑ ተፈሊጡ’ሎ።

ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምምሕዳር ኪም ጆንግ ኡን “ኣስጋኢን ዘይርጉእን እዩ” ድሕሪ ምባል እዚ ዓይነት ተግባር ድማ ንዝያዳ ተነጽሎ ሰሜን ኮርያ ዝደፋፍእ እዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ ንሶም “ ኩሎም አማራጺታት ድልዋት እዮም” ክብሉ'ውን አጠንቒቖም።

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኒኪ ሃለይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምውንጫፍ እቲ ሚሳያል “ ዘይግቡእን ዘይሓላፍነታዊን እዩ” ኢሎም።

ልዑኽ ጃፓን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮሮ በሻሆ ብወገኖም መርገጺ መንግስቶም ምስ አባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ይዘራረቡ ምህላዎም ብምሕባር እቲ ቤት ምኽሪ ሓባራዊን ግሉጽ መልእኽቲ ንሰሜን ኮርያ ከሕልፍ ዘለዎም ትጽቢት ወሲኾም ሓቢሮም።

ጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረስ ንናይ ሰሜን ኮርያ ምውንጫፍ ሚሳይል ብምኹናን እቲ ስጉምቲ ንጸጥታን ምርግጋእ እቲ ዞባ ኮነ ንጻዕርታት ሰላምን ዝርርብን ዘዳኽም እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG