ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ስዑድ ዓረብን ኢራንን ዞባዊ ውጥረት ፈጢሩ


ምቁራጽ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ክዓርግ ገይሩ’ሎ። እዚ ድማ ስዑዲ ዓረብ ንመራሒ ሽዓት ብሞት ድሕሪ ምቕጽዓ ኣብቲ ዞባ ዝርአ ዘሎ ምዕባለ እዩ።

ዋጋ ነዳድን ብምውራድ ኢራን ተሕድሮ ዘላ ፈተና እናዓበየ ምኻዱ ኣብ ሻቐሎት እትርከብ ስዑዲ ዓረብ ንስልጣን ዘውዳዊ ስርዓት'ታ ሃገር ኣብ ፈተና ከእትው ንዝፍትን ንጹር መልእኽቲ ንምሕላፍ ስለዝደለየት እዩ ይብሉ ተንተንቲ።

ስዑዲ ንሃይማኖታዊ መራሒ ሽዓት ብሞት ድሕሪ ምቕጽዓ ኣብ መንጎ ቀንዲ ተነሓናሕቲ እስላማዊያን ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ኢራንን መሻርኽተንን ነድሪ ፈጢሩ’ሎ።

ኣሮን ዴቪድ ሚለት ኣብ ዓለምለኸ ማእኸል ዊድሮው ዊልሰን ተንታኒ ማእኸላይ ምብራቕ እዮም። ንሶም ብዛዕባ'ዚ ዝዓርግ ዘሎ ኩነታት ከምዚ ኢሎም ኣለው።

'እቲ ነገር ንክዓርግ ብወገን ስዑዲ ዓረብ ዓብዪ ስጉምቲ እዩ ተወሲዱ። ብርግጽ ኣብ መንጉአን ንዓመታት ዝጸንሐ ዓሚቕ ዝሑል ኲናት ዘንጸባርቕ'ውን እዩ።'

ኣብቲ ዞባ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ስርዓት ኣልቦነት ንምንጋስ ትንቀሳቐስ ኣላ ክትብል ስዑዲ ንቴህራን ነቒፋታ’ላ።

'ዝፈጠርኩምዎም ጉጅለታት ሽብራ ሓዊሱ ኣብ ሕሉፍ ዝገበርኩምዎ ርኣዩዎ።ናብቲ ዞባ ዕግርግር ካብ ምምጻእ ወጻኢ ሓይልታት እንታይ ገይሮም?ኣብ ሶሪያ፣ዒራቕን ካልእን ዕግርግር ካብ ምፍጣር እንታይ ወጽኢት ኣምጺኡ?' ይብሉ ሻቅ ጃሃንግሪ ቀዳማይ ምኽትል ፕሬዝዳንት ኢራን።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ምስ ዓመጽቲ ሑቲ ውዕል ቶኽሲ ጠጠው ምባል ስምምዕ ከተሐድስ ንስዑዲ ዓረብ ጸዊዖም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማኦ ይኸአል።

ምቁራጽ ዲፕሎማሳዊ ዝምድና ስዑዲ ዓረብ ኢራንን አብቲ ዞባ ወጥሪ ፈጢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:27 0:00

XS
SM
MD
LG