ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያዊያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብ ስዑድ ዓረብ ዘጋጠሞም ፀበባ


ቅድሚ ክፉእ ምርኣይና ኣርክቡልና ይብሉ

ናብ ስዑድ ዓረብ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትው መብዛሕተኦም ኢትዮዽያውያን፣ኣደዳ ኣብያተ-ማእሰርቲን ስቅያትን ይኾኑ ከምዘለው ዘዘራርናዮም ይገልፁ።

እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ፀበባኦም ዘቃልሑ ኢትዮዽያው ዝበዝሑ፣ሓሽሽ ሒዝኩም ኢኹም መፂእኩም እናተባሃሉ ብሓሰት እናተጠቀኑ፣ብሓይሊ ተገዲዶም ንክኣምኑን ፍርዲ ንክዋሃቦምን ይግበር ከምዘሎ‘ውን ይገልፁ።

ልዕሊ ኩሉ ኩነታት ዝተኣሰሩሉ ስፍራ ኣዝዩ ፅቅጥቅጥ ዝበዝሖ፣ ፅሩይ ኣየር፣ፅሩይ ማይን እኹል መግቢን ዘይረኽቡሉ ኮይኑ‘ሎ።ዛጊድ‘ኳ ሸሞንተ ካብ ኣቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝሞቱ ይዛረቡ።

ኣብ ጀዛን ስዑድ ዓረብ መዳጎኒ ኢትዮዽያውያን ዝርከቡ ገለ ኢትዮዽያውያን ከምኣብነት ክንሕብር።

ኣብ ዘረባና፣ንሰበ-ስልጣን ስዑድ ዓረብን ኢትዮዽያን ረኺብና ኣብ‘ዚ ጉዳይ’ዚ ክነዘራርቦም ፈቲና ኣይሰለጠናን ዘሎ።ፃዕርና ግና ቀፃላይ‘ዩ።

XS
SM
MD
LG