ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ ደሞክራት: ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ደገፍቶም ንሂላሪ ክሊንተን ክመርጹ ጸዊዖም


ኣብ ፊላደልፍያ ክፍለ ግዝኣት ፐንስልቫን ያ ዝቃናዕ ዘሎ ዋዕላ ደሞክራት ልዑል ወጥሪ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ተቐናቐንቲ ሂላሪ ክሊንተንን ሰነተር በርኒ ሳንደርስን ልዑል ወጥሪ ዝተራእዮ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ቀንዲ ተቐናቓኒ ሂላሪ ክሊተን ብምዃን ልዑል ተቐባልነት ዝረኸበ እንተኾነ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ሰልፊ ደሞክራት ዘይተዓወተ ሰንተር በርኒ ሳንደርስ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኸፈተ ሃገራዊ ዋዕላ ዴሞክራት "ብዘመዝገብናዮም ታሪኻዊ ዓወታት ዝለዓለ ኩርዓት ከምዝስምዓኩም ተስፋ ኣለኒ" ኢሎም። ንሶም ናብ መድረኽ ምስ ወፁ ነዊሕን መብረቓውን ጣቒዕት ዝተሓወሶ ፋፅን ጭደራን ደገፍቶም እዩ ተቐቢሉዎም። ሰንተር በርኒ ሳንደርስ ኣብ መደረኦም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ብምጅማሮም ንደገፍቶም ኣመስጊኖም።

​​መራሕቲ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ናብ ሂላሪ ክልንቴን ዘዛዘዩ ምዃኖም ዝሕብሩ ኢሜይላት ምስ ወፁ ንብዙሓት ደገፍቲ ሳንደርስ ኣቖጢዑ ኣብዝርከበሉ እዋን: ሰንተር በርኒ ሳንደርስ: እቲ ዝተፈጥረ ምግምማዕ ከሕውዩ ፈቲኖም። ዕላዊ ሕፅይቲ እቲ ፓርቲ ክኾና ትፅቢ ንዝግበረለን ሂላሪ ክልንቴን ክድግፉ ድማ ንስዓብቶም ተማሕፂኖምዎም ።

ንሶም ብዛዕባ ሂላሪ ክሊንተን ኣመልኪቶም: "ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሰኔት ምስሂላሪ ብሓባር ኣገልጊለ እየ፤ንመሰላት ህፃናት፣ደቂ ኣንስትዮን ኣካለ ስንኩላንን ሓያል ተሓላቒት ምዃነን እፈልጥ።ሂላሪ ክልንቴን ብጣዕሚ በላሕ ፕሬዝዳንት ክኾና እየን፤ሎምሸት ኣብ ጎነን ጠጠው ምባለይ ክኣ ኩርዓት ይስምዓኒ" ክብሉ መዲሮም።

ሳንደርስ:ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ወፍሪ ምርጫ ንዘስምዕዎ ዘርኣውን ኸፋፋልን ተባሂሉ ንዝገለፅ መደረ እውን ነቒፎም።

ኣብ መንጎ ደገፍቲ ሳንደርስ ዝተፈጥረ ቁጥዐ እቲ ዋዕላ ይካየደሉ ካብዘሎ ኣዳራሽ ማእኸል ዌልስ ፋርጎ ውፅእ ኢሉ ይርአ።ኣማእቲ ሰለፈኛታት ምስ ፖሊስ ተጋጪዮም፣ብዙሓት ድማ ተኣሲሮም ኣለው።

ካብ ቬርሞንት ዝመፀ ናይ ሳንደርስ ወኪል ሪቻርድ ካስዲ ብምኽንያት ሪፓብሊካዊ ዶናልድ ትራፕ ዴሞክራት ኣብ መወዳእታ ክሓብሩ እዮም ይብል። "ንሂላሪ ክልንቴን ድምፁ ዘይህብ ኣዚዩ ንእሽተይ ክኸውን እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።ምኽንያቱ እቲ ካሊእ መማረፂ ዘይጥዕም ስለዝኾነ።"

ኣብቲ መኽፈቲ ስነስርዓት መደረ ካብ መንጎ ዘስምዑ ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማ ሓንቲ እየን።ዴሞክራት ንሂላሪ ክልንቴን ክድግፉ ፀዊዐን ኣለዋ።ፕሬዝዳንታ እታ ሃገር ክስከሞም ዝግብኡ ሓላፍነት ክስከማ ዝእኽእላ ሂላሪ ክልንቴን ጥራሕ እየን እውን ኢለን።

ንሰን: "ኣብዚ ምርጫ እዚ ነዞም ሓላፍነታት እዚኦም ክስክመ ዝኽእል ሓደ ሰብ ጥራሕ ኣሎ።ንፕሬዝዳንትነት ዩናይትድ ስቴትስ ዝበቅዕ ሰብ ሓደ ሰብ ንሱ ጥራሕ እዩ ኢለ ካብ ውሽጠይ ዝኣምነሉ ዓርከይ ሂላሪ ክልንቴን እየን" ኢለን።

ንሰን ብተወሳኺ: ሂላሪ ክልንቴን ጓል ኣንስተይቲ ዝኾነ ይኹን ነገር ካብ ምፍፃም ዝኽልክላ ከምዘየለ ንኹሉ ዘምሃረት እያ እውን ኢለን ። "ሳላ ሂላሪ ክልንቴን ደቂ ኣንስትዮ ደቀይ፣ከምኡ እውን ኩለን ደቂ ኣንስትዮን ኩሎም ደቂ ተባዕቲዮን ደቅና፤ጓል ኣንስተይቲ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ምዃን ትኽእል እያ ዝብል ብርግፀኝነት ክኣምኑ ገይረን ኣለዋ " ክብላ ንብዙሓት ዝተንከፈ መደረ ኣሚዐን።።

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዓለም ልዑል ቦታ ዘለዋ እንሃለወት ካብዚ ዝተፈለየ ንዝዛረብ ሰብ ኣይትቀበሉዎ ኢለን።

ናይ ማሳቹስተርስ ሰኔተር ኤልዛቤት ዋረን እውን ኣብ ልዕሊ ሪፓብሊካዊ ዶናልድ ትራምፕ ሓያል መጥቓዕቲ ብምፍናው ንቶም ተኣከብቲ ኣለዓዒለን።

ንሰን: "ከም ዶናልድ ትራምፕ ዝኣመሰሉ ሃፍታም ሰባት ንባዕሎም ተወሳኺ ግብሪ ክንኪዩ ክደፍእሉ ከለው ኢና ንሰምዕ።እዚ እንተኾይኑ ክኣ ኣብያተ ትምህርትና ንምሕጋዝ ወይ ኣውራ መንገድታትና መሊስና ንምሃንፅ ወይም ኣብ መፃኢ ወለዶ ኢንቨስት ንምግባር እኹል ገንዘብ ፈፂሙ ኣይህልወናን" ኢለን።

ዶናልድ ትራምፕን መወዳድርቶም ማይክ ፔንስን እውን ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዋዕላ ሪፓብሊካዊያን ኣብ ቨርጂንያ ወፍሪ ምረፁኒ ኣካይዶም ኣለው። "ንመርሕ ኢና ዘለና።ብመሰረት መዐቀኒ ሪኢቶ ህዝቢ ብርግፀኝነት ንመርሕ ኢና ዘልና" ኢሎም ዶናልድ ትራምፕ መግለጺ ሂቦም።።

ዋዕላ ደሞክራት: ሰነተር በርኒ ሳንደርስ ደገፍቶም ንሂላሪ ክሊንተን ክመርጹ ጸዊዖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:11 0:00

XS
SM
MD
LG