ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ፡ ትካላት ሩስያ ንምርጫ ኣመሪካ ክጥምዝዙ ይሰርሑ ምህላዎም ተኸስስ


ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ንምትእትታው ሩስያ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ዝምልከት መግለጺ ኣብ ዝሃብልሉ
ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ ንምትእትታው ሩስያ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ዝምልከት መግለጺ ኣብ ዝሃብልሉ

ክፍሊ ፍትሒን ሃገራዊ ግምጃ (ትረጀሪ) ኣመሪካ፡ ካብ ኩባንያታት ሩስያ ንምርጫ ኣመሪካ ንምጥምዛዝ ይሰርሓ ከም ዘለዋ ትማሊ ረቡዕ ከሲሶም። ንኣድመጽቲ ናይ ምድንጋር ፈተነታት ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ቅርበት ዘለዎም ትካላት ይፍጸም ከም ዘሎ እቶም ትካላት ይገልጹ።

ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ፡ ብወገን ሩስያ ዝግበር ዘሎ ፈተነታት ንዓለምለኻዊ ስምምዓት ዝጥሕስ ተግባራት ይርአ ከም ዘሎ ይኸስስ። ኣብዚ መስርሕ ብመንግስቲ ሩስያ ዝምወል RT (ራሻ ቱደይ) ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣብ ዝተፈላለየ ማእከላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ትሕዝቶ ንምምዋል ናይ 10-ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ከም ዝገበረ እቲ መግለጺ ይሕብር።

ኣብቲ ጉዳይ መሪሕ ተራ ሒዛ ከም ዘላ እትኽሰስ RT ነቲ ዝቐረበ ክስታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓጪጫትሉ ኣላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ፕረዚደንት ፑቲን ንካማላ ሃሪስ ከም ዝድግፍ ጠቒሱ። ፑቲን ንፖለቲካዊ ስርዓት ኣመሪካ “ዝመሽመሸ’ዩ” ኢሉ ብምጽዋዕ ኣመሪካ ንኻልኦት ሃገራት ብዛዕባ ደሞክራሲ ክትምህር ሞራላዊ ሓላፍነት የብላን ኢሉ።

ፑቲን ኣብ ዋዕላ ቁጠባ ሃገሩ ዝተረኽበሉ እዋን ብጋዜጠኛታት ተሓቲቱ፡ ፈለማ ንባይደን ጸኒሑ ድማ ንካማላ ሃሪስ ከም ዝድግፍ ዝገለጸ። እንተዀነ ፑቲን እናሓጨጨ “ድጋፍና ክንገልጸላ ኢና፡” ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ፡ “ቀጻሊ’ያ እትስሕቕ፡ እዚ ድማ ክሳብ ክንደይ ተፈታዊት ምዃና ዘርኢ’ዩ፡” ኢሉ።

እዚ ሩስያ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ብእትገብሮ ምትእትታው ደጋጊማ ኣብ እትኽሰሰሉ ዘላ እዋን’ዩ። ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ከርቢ’ውን ሎሚ ሓሙስ ደጊሙ ሩስያ ካብ ምርጫ ኣመሪካ ኢዳ ክትስሕብ ጸዊዑ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG