ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ኣንጎላ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ምዕዋቱ ይገልጽ


ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ 23 ነሓሰ,2017 ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣንጎላ፡ ካብ ዝተቆጽረ ሓሙሽተ ሚልዮን ድምጺ ዝበዝሓ ድምጺ ብምርኻብ ምዕዋቱ ገዛኢ ፓርቲ እታ ሃገር ይገልጽ። ብመሰረት እዚ ውጽኢት ሚንስትር ምክልኻል እታ ሃገር ነበር ጃዎ ሉረንኮ ነታ ሃገር ን38 ዓመታት ዝመርሑ ፕረዝደንት ኤድዋርዶ ሳንቶስ ክትኽኡ እዮም ክብል ሉሳ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ገዛኢ ፓርቲ እታ ሃገር ኣብቲ ናይቲ ትማሊ ምርጫ ምዕዋቱ ዝገለጸ ካብ ድምጺ መውሃቢ ኑቕጣ እታ ሃገር ዝረኸብዎ ሓበሬታ ምኳኑ ክገልጹ ከለው ተቓዋሚ ፓርቲ ዩኒታ ድማ ፖሊስ ኣብ ከተማ ሁማቦ ዝነበረ መውሃቢ ድምጺ ኑቕጣታት ፖሊስ ተኩሲ ብምትኳስ ሰባት ምእሳሮም ይኸሱ።

መስርሕ ምርጫ ዝተከታተሉ ሰበ ስልጣን ግን ብዘይ ነአሽቱ ጸገማትን ምድንጓይን እቲ ምርጫ ብሰላም ምክያዱ ይገልጹ።

ምክትል ፕረዝደንት ፓርቲ ዩኒታ ራውል ዳንዳ ብወገኖም ዝተካየደ ቆጸራ ድምጺ ግን ነቲ ገዛኢ ፓርቲ ካብ ዘቕረቦ ቁጽሪ ዝጻረር ምኳኑ ይገልጹ።

ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ውጽኢት ምርጫ ብወግዒ ኣይገለጸን ዘሎ። አስታት 9.3 ሚልዮን ኣንጎላዊያን ነቲ 220 አባላት ዘለዎ ሃገራዊ ባይቶ ድምጾም ንምሃብ ዝተመዝገቡ ኽኮኑ ከለው፡ ኣብቲ ምርጫ ዝተዓወተ ፓርቲ ንፕረዝደንት ይመርጽ።

የማናዊያን ኣንጎላዊያን ገዛኢ ፓርቲ ኤምፒኤልኤ ቅድሚ እቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ መራኸቢ ብዙሃን’ታ ሃገር ንጎስጓስ ገዛኢ ፓርቲ ጥራይ ከተኹሩ ጌሩ’ዩ ክብሉ ኽነቕፉ ከለው ተቓወምቲ ፓርቲ’ውን ዘይንቡር ኩነታት ቅድሚ እቲ ምርጫ ምንባሩ ኣይሓብኡን።

ካብ ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ተዓዘብቲ ነቲ ምርጫ ዝተዓዘቡ ክኾኑ ከለው ሕብረት ኣውሮጳ ግን መንግስቲ ንተዓዘብቲ ክቕይድ ፈቲኑ ብዝብል ተዓዛቢ ጉጅለ ናብቲ ምርጫ ከምዘይለአኸ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG