ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣንጎላዊያን ኣብ ታሪኻዊ ምርጫ እታ ሃገር ድምጾም ይህቡ


ኣንጎላዊያን ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ እታ ሃገር ፕረዝደንት ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ዘይሳተፍሉ ሎሚ ኣብ ዝኻየድ ዘሎ ፕረዝደንታዊ ምርጫ’ታ ድምጾም ይህቡ አለው። ገዛኢ ፓርቲ እታ ሃገር ስልጣን ክቅጽል ወጢኑ አሎ፡ ይኹን ደአ ኣምበር ብዙሓት ወሃብቲ ድምጺ ድምጾም ንለውጢ ከምዝህቡ ይገልጹ።

ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ 23 ነሓሰ,2017 ዓ.ም ኣብ ኣንጎላ ዝኻየድ ዘሎ ፕረዝደንታዊ ምርጫ፡ እቶም ን38 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሑ ፕረዝደንት ኤድዋርዶ ጆስ ሳንቶስ ንመጀመርያ ጊዜ ንካልእ ውልቀ ሰብ ድምጾም ሂቦም።

ሎሚ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ድምጾም ዝሃቡ ፕረዝደንት ሳንቶስ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ ከይሃቡ ብስቕታ ካብ ኑቕጣ መውሃቢ ድምጺ ወጺኦም ክኸዱ ተራእዮም እዮም።

እቲ ኣብዚ ምርጫ ዝምረጽ ፕረዝደንት ኣንጎላ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ግን ሸርፊ ናይ ኣሜሪካ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዕጽፊ እቲ ሕጋዊ ሸርፊ ዝኾነሉ ልዑል ስራሕ አልቦነትን ዝቕባበን ዘለዋ ሃገር ዝርኸቡ ምኳኑ’ውን ይፍለጥ።

ፕረዝደንት ኤድዋርዶ ሳንቶዝ ብቅሉዕ ብልሽውና ዝኽሰሱ ኮይኖም ደቆምን ብዙሕ ናይ መንግስቲ ዋኒን ከምዝውንኑ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ መብዛሕትኦም ኣንጎላዊያን ግን ብዘይ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ድኽነት ከምዝነብሩ’ውን ይፍለጥ።

እዚ ኣብ መንጎ ዜጋታት እታ ሃገር ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ገለ ዜጋታት ስምዒት ሕርቓን ዘለዓዓለ ኮይኑ ገለ ካብዞም ዜጋታት ሓደ ዝኾና ዶሚንጎ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ከምዚ ይብላ።

“ ንመጀመርያ ጊዜ እየ ድምጸይ ዝህብ ዘለኹ ምክንያቱ ቅድሚ ሕጂ ዋጋ ድምጺ ምሃበይ ኣይርደአንን ኔሩ ድልየት’ውን ኣይነበረንን። ሎሚ ግን ንለውጢ ድምጸይ ሂበ አለኹ። ስለዚ ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝብሎ ንለውጢ ድምጺ ሂበ አለኹ ምስ ጊዜ ድማ መነባብሮና እንተተለዊጡ ክንርእይ ኢና ምክንያቱ ቅድሚ ሕጂ ብምርጫ ዝተለወጠ ነገር ኣይረአይናን ።”

ከም ጓል 62 ዓመት ማርያ ቦቨርንቱራ ዝአመስሉ ካልኦት ድማ ድምጺ ብምሃቦም ለውጢ ክመጽእ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ውጽኢት እቲ ምርጫ ጽባሕ ወግዓዊ ከምዝኸውን ሓቢሮም አለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣንጎላዊያን ኣብ ታሪኻዊ ምርጫ እታ ሃገር ድምጾም ይህቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:56 0:00

XS
SM
MD
LG