ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሪፑብሊካን፡ ኣፈ-ጉባኤ ኮይኑ ዘገልግል ተወካሊ ህዝቢ ይመርጹ


ሚስተር ስቲቭ ስካሊስ
ሚስተር ስቲቭ ስካሊስ

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ምሃብ ድምጺ ተጸሚዱ ዝወዓለ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ ንሚስተር ስቲቭ ስካሊስ ኣፈጉባኤ ኮይኑ ከገልግል ብ113 ደገፍን 99 ተቃውሞን መሪጽዎ። እንተኾነ፣ እቲ ብጸቢብ ብልጫ ዝተዓወተን ኣብ ሞንጎ ኣባላት ፓርቲኡ ምግምማዕ ኣጋጢሙዎ ዘሎን ሚስተር ስካሊስ፣ መዓስን እምበርከ ናብ ደረጃ መሪሕነት ክበጽሕ ድዩ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።

ኣፈ-ጉባኤ ንዝነበረ ኬቭን ማካርቲ ካብ ሓላፍነቱ ንክወርድ ታሪኻዊ ተግባር መሪሕነት ዝነበሮ ዓቃባዊ ሪፐብሊካን ማት ጌትስ ሪፐብሊካዊያን ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ዝመርሕ ሰብ ምምዛዞም ንኢድዎም።

ኣብ’ቲ ትማሊ ዝዋዓለ ዕጹው ኣኼባ ሪፐብሊካዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ዓቃባዊ ጂም ጆርደን ገዲፎም ንስቲቭ ስካሊስ ኣብ ሓፈሻዊ ኣባላት’ቲ ቤት ምኽሪ ሕጹይ ኣፈጉባኤ ኮይኑ ክቀርብ ድምጺ ክዋሃቦን መሪጾምዎ ኣለው።

ስቲቭ ስካሊስ "ዓለም ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ከምዝኾነት ከምኡ'ውን ነገራት ክሳዕ ክንደይ ቀልጢፎም ክቀያየሩ ከምኽእሉ ንዕዘብ ኣለና። እዚ ቤት ምኽሪ’ዚ ክፉትን ናይ ህዝቢ ስራሕ ይዓዪይ ከምዘሎን ናብ ህዝቢ ዓለም ምሕላፍና ርግጸኛታት ክንከውንን ይግባእ" ኢሎም።

ኣፈ ጉባኤ ክሳብ ዝምረጽ እቲ ቤት ምኽሪ ኣገዳሲ ደገፋት ንእስራኤልን ዩክሬንን ሓዊሱ ዝኾነ ዓይነት ሕጊ ከጽድቕ ኣይኽእልን እዩ። ኣቦ-መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ’ቲ ቤት ምኽሪ ሚካኤል ማኩል፣"ነዛ ሃገር’ዚኣ ዘዋጽእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ኣመሪካ’ውን ዘዋጽእ ኣይኮነን። ኣፈ-ጉባኤ የድልይና ኣሎ። ኣብ ሓደገኛ ወቅቲ ኢና ንርከብ። ብደረጃ ዓለም ኣብ ሰለስተ ግጭታት ተጸሚድና ስለዘለና፣ ኣፈ-ጉባኤ ዘይምህላው ዘዋጸና ኣይኮነን።"

እንተኾነ፣ ድምጺ ሪፐብሊካዊያን በይኑ ዝረኸበ ሚስተር ስካሊስ፣ እቲ ኣብ ምርጫ ኩሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ንክበጽሕ ዘድልዮ ደገፍ 217 ኣባላት ክሳብ ዝረክብ ተባሂሉ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ተናዊሑ እዩ። ኩሎም ዲሞክራሲያዊያን ከምዘይቅበልዎ ንጹር ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፓርቲ ክኸስሮም ዝኽእል ኣርባዕተ ሰባት ጥራሕ ክኾኑ ይግባእ።ዝተወሰኑ ሪፐብሊካዊያን፣ ንሳሊስ ኣይንመርጽን ባሃልቲ ኮይኖም ኣለው።

ኣፈ-ጉባኤ ዝነበረ ኬቨን ማካርቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዳግማይ ኣብ ምርጫ ሕጹይ ኮይኑ ከምዘይቀርብ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ፣"ካብ ሞንጎኦም ብርክት ዝበሉ፣ ንዓይ ከምዝመርጹ ይፈልጥ ነይረ እየ። በጃኹም ንዓይ ኣይትምረጹ ኢለዮም እየ" ይብል።

ኣብ ምትኽኻእ መዝነት ኣፈ-ጉባኤ እቲ እንኮ ኣማራጺ ኮይኑ ዘሎ ሚስተር ስካሊስ እዩ። ንሱ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣቢሉ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ስፖርታዊ ምንቅስቃስ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ብጥይት ብርቱዕ ጉድኣት ኣጋጢምዎ ኔሩ ነይሩ። ናይ ደም ካንሰር ከምዝሓዞ ሎም ዘበን ዘፍለጠ ሚስተር ስካሊስ፣ ካብ’ቲ ሽዑ ዝወረዶ መጉዳእቲ ድሒኑ ክሳብ ሎሚ ኣብ መሪሕነት ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ስርሑ ቀጺሉ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG