ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ኣብ ዳርፉር ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ግዳያት ሚሊሻ ከምዝኾኑ ይገልጹ


ስደተኛታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ኣብ ዳርፉር ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ግዳያት ሚሊሻ ከምዝኾኑ ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:33 0:00

ስደተኛታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ኣብ ዳርፉር ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ግዳያት ሚሊሻ ከምዝኾኑ ይገልጹ

ኣብ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ገበን ተፈጺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ሓበሬታ ተዘርጊሑ ኣሎ። ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ናብ ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ብምብጻሕ ገዛእ ርእሰንን በዓል ቤተንን ግዳያት መጥቃዕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ዳርፉር ምዕራብ ሱዳን ናብ ጥቓ ዶብ ቻድ ዘላ ከተማ ኣድሬ ሰጊሮም እዮም። እንተኾነ ብብዝሒ ዝራኣዩ ኣደታትን ቆልዑን ጥራሕ እዮም። ቁጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ።

እቶም ስደተኛታትን ጉጅለታት ተሓለቅቲ መሰላትን "ደቂ ተባዕትዮ፣ በቶም ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ግፍዒ ዝፍጽሙ ዓረባዊ ምልሻታት ዒላማ ኮይኖም እዮም"ይብሉ። ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ሰብኣያ ከምዝተቐተላ ትዛረብ ማርዋ ኣደም ዓሊ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝሓበረቶ ምልሻታት፣ ንገዝኣን ንብረታን ድሕሪ ምዕናዎም፣ ንደቃ ሒዛ ከምዝሃደመትሓቢራ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG