ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕርይቲ ጋንታ ኣትለታት ስደተኛታት ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክስ ኮይና


ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ትሳተፍ ዘላ ሕርይቲ ጋንታ ኣትለታት ስደተኛታት ትማሊ ንፈለማይ ግዜኣ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና።

ስደተኛ ተወላዲ ደሞክራስያዊት ርፑብሊክ ኮንጎ ፖፖለ ሚሰንጋ ኣብ ዓውዲ ግጥም ጁዶ ብምዕዋቱዩ ናይ ፈለማ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ካብ ኣትለታት ስደተኛታት ብምዃን ኣንጸባራቒ ዓወት ዘመዝገበ።

ፖፖለ ሚሰንጋ ኣብ ዓውዲ ጁዶ ኣንጻር ህንዳዊ ኣቭታር ሲንግ ገጢሙ ብምዕዋቱ ናይ ፈለማ ተሰላሚ ወርቂ መዳልያ ሕርይቲ ጋንታ ስደተኛታት ክኸውን ዝበቕዐ።

ኣብቲ ናይ ኪሎ ግራም ምድብ ዝተገብረ ናይ ጁዶ ቅልስ ዮላንዳ ማቢከን ፖፖለ ሚሰንጋን እዮም ተሳቲፎም ነይሮም።

ይኹንምበር ሚሰንጋ ብምዕዋቱ ወርቂ መዳልያ ክስለም በቒዑ ኣሎ።

ዓሰርተ ኣባላት ዘለዋ ሕርይቲ ጋንታ ኣትለታት ስደተኛታት ንፈለማ ግዜ ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክ ት ሳተፍ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ: ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ እትገብሮ ግጥማት ካብ ኣብ ብራዚል ዝርከቡ ስደተኛታት ዝተፈላለዩ ሃገራትን ካልኦት ኣፍቀርቲ ስፖርትን ውዕውዕ ኣቀባብላን ሞራላዊ ደገፍን እናተዋህባ ትገጥም ዘላ ስፖርታዊት ጋንታ'ያ።

እዛ ሕርይቲ ጋንታ ስደተኛታት ካብ ደቡብ ሱዳን: ሶርያ: ደሞክራስያዊት ርፑብሊክ ኮንጎን ኢትዮጵያን ዝተዋጽኡ ኣትለታት ክህልውዋ እንከለው: ን 60 ሚልዮን ኣብ በበይኑ ቦታታት ዓለም ዝርከቡ ስደተኛታት ትውክል።

ሕርይቲ ጋንታ ኣትለታት ስደተኛታት ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክስ ኮይና
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:01 0:00

XS
SM
MD
LG