ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀጠር፡ ጎረባብቲ ሃገራት ዘንበርኦ እገዳ ከይተላዕለ ንልዝብ ከምዘይትቐርብ ኣፍሊጣ


ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ቀጠር ሸክ መሓመድ ቢን ዓብዱራህማን አል ጣኒ
ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ቀጠር ሸክ መሓመድ ቢን ዓብዱራህማን አል ጣኒ

ቀጠር ጎረባብታ ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረኦ ናይ ኢኮኖሚን መገሻን እገዳ እንተዘየቅሊለን ምስአታተን ከምዘይትላዘብ አፍሊጣ።

እተን ሃገራት ንቀጠር “ግብረ ሽበራ” ትድግፍ’ያ ክብላ ምክሳሰን ቀጠር ግን ነዚ ኣትሪራ አሉታዊ መልሲ ምሃባ ይፍለጥ።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ቀጠር ሸክ መሓመድ ቢን ዓብዱራህማን አል ጣኒ ንሪፖርተራት ከምዝበልዎ “ልዝባት ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ጽኑዕ መሰረት ክካየድ አለዎ ደአ እምበር ብጸቕጥን እገዳን ኽከውን ከምዘይብሉ ንኹሉ ንጹር ጌርና ኢና “ ኢሎም።

ጎረባብቲ ቀጠር ባሕረይን ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ምስ ቀጠር ዝነበረን ርክብ ቅድሚ ክልተ ሰሙን በቲኸን’የን። እዚ ኣብ ቀረባ ዘየብቕዕ ምኳን ዘርኢ ዝኸፍአ ቅልውላው ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኮይኑ’ሎ።

እቶም በዓል ስልጣን ቀጠር “ዛጊት ነቲ እገዳ ንምልዓል ዝኾነ ምዕባለ ኣይረአናን እዚ ድማ ንዝኾነ ንቅድሚት ዘኸይድ ቅድመ ኹነት’ዩ” ኢሎም።

ቀጠር ካብ ሃገራት ጋልፍ ኮነ ካልኦት ሃገራት ዛጊት ዝቐረበላ ጠለባት ከምዘየለው’ውን ሸኽ መሓመድ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG