ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማሊላንድን ፑንትላንድን ንምዕጻው ቆንስላት ኢትዮጵያ ይነጽጋ


ሚንስተር ሓበሬታ ፑንትላንድ መሃሙድ ኣይዲድ
ሚንስተር ሓበሬታ ፑንትላንድ መሃሙድ ኣይዲድ

ሶማሊላንድን ፑንትላንድን፣ ነቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ኢትዮጵያ ክዕጸው ዘሕለፎ ውሳነ ነጺገነኦ።

ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ጣልቃ ኣትያ እያ ኢሉ ዝነቅፍ መንግስቲ ሶማል ትማሊ ሓሙስ ብመሰረት ዘሕለፎ ውሳነ፣ ኣብ ሶማል ዝተመደበ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ግዝኣታ ንክወጽእ ኣዚዙ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደቦ ኣምባሳደር ናብ ሃገሩ ክምለስ ገይሩ።

ነዚ ስዒቡ መንግስቲ ሶማል ኣብ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን፣ ምምሕዳር ፑንትላንድን ዘለው ኣብያተ ጽሕፈታት ቆንጽል ኢትዮጵያ ንክዕጸው’ውን ኣዚዙ እዩ ።

ሶማሊላንድ ነቲ ፌደራል መንግስቲ ዘሕለፎ ትእዛዝ ከምዝነጸጎ ዝገለጸ ዜና ኤ.ኤፍ.ፒ፣ ፌደራል መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሌና ስልጣን የብሉን ከምዝበለ ጠቂሱ ኣሎ።

ፑንትላንድ ብወገኑ ‘ቆንጽላዊ ቤት ጽሕፈት ኢትዮጵያ ንክዕጾ ዝሓለፈ ትእዛዝ፣ ትርጉም ዘይብሉ፣ ኣብ ጽልኢ ዝተመርኮሰን፣ ንስጉሚታት ህዝቢ ፑንትላንድ ከምኡ'ውን ንፌደራላዊ ስርዓት ሶማል ዝዳኽምን እዩ’ ከምዝብል ዝመጸ ዜና ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG