ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ሃገራ ሰጒጋ


ሙኽታር መሓመድ
ሙኽታር መሓመድ

ድሕሪ ስምምዕ መዘከር ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን፡ ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዝምድና እናሻሕከረ ኣብ ዝመጽኣሉ፡ መንግስቲ ሶማል ኣብ ሞቓዲሾ ዝነበረ ኣምባሳድር ኢትዮጵያ ሙኽታር መሓመድ ናብ ሃገሩ ኣፋንዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣብ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድን ሶማሊላንድን ዝነበረ ቆንስላትን ኢትዮጵያ ከም ዝተዓጽወ’ውን ሮይተርስ ኣመልኪቱ'ሎ።

"ኢትዮጵያ ደጋጊማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ሶማል ምትእትታው ትገብር ስለ ዘላ'ያ ነቲ ስጉምቲ ወሲድና፡" ይብል መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሶማል።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሚኒስተር ፋይናንስ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ መሓመድ ፋራሕ መሓመድ ዝምራሕ ልኡኽ ምስ ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምስጋኑ ኣረጋ ተራኺቡ ትማሊ ረቡዕ ዘትዩ። እዚ ምዕባለታት ዝኸውን ዘሎ፡ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ’ውን ምስ መቓዲሾ ብዘለዋ ዘይምርድዳእ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሓለፈ ሕጊ ከይተለወጠ ርክባ ከም እተበትኽ ኣብ ትገልጸሉ ዘላ እዋን’ዩ። ፑንትላንድ'ውን ምስ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ከም እትገብርን መቓዲሾ'ውን ብዛዕባ'ቲ ርክብ ከም ዘይምልከታን ፑንትላንድ ትገልጽ።

ንምብራር ኣምባሳድር ኢትዮጵያ ካብ መቓዲሾ ኣመልኪቱ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ዝተሓተተ ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነብዩ ተድላ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ምሉእ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ መሊሱ። እንተዀነ እቲ ወሃብ-ቃል ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ እቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕ ዘሎ ጉጅለ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ ቅድሚ’ቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝተወስደ ርክብ ናይ ምብታኽ ስጕምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG