ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንዓሰብን ዶብ ምስ ሱዳንን ዝምልከት ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ


ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
ኢትዮዽያ ምስ ኤርትራ ንዝኸተመቶ ውዕል ኣልጀርስ ካብ ጥቅሚ ወፃኢ ገይራ ንወደብ ዓሰብ ትቆፃፀረሉ ኩነታት ስለምንታይ ዘይትፈጥር? ኣሜሪካውያን ምኩራት ዲፕሎማታት “ንኤርትራ ካብ ቁሪ ንክትወፅእ ጊዚኡ ኣኺሉ” ኢሎም ብዛዕባ ዘቅረብዎ እማመ፣ሳልሳይ ንዶብ ኡትዮ-ሱዳን ዝምልከት ሓድሽ ውዕል እንተሃልዩ ሪኢቶ ንክህብሉ’ውን ጋዜጠኛ ዳንኤል ብርሃነ ሕቶታት ኣቅሪቡ ናብ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ”ኣምባሳደር ሄርማን ኮኸንን ዴቪድ ሽንን ንኤርትራ ካብ ቁሪ ንምውፃእ ዘቅረብዎ ሓሳብ ግጉይ‘ዩ ኢልና ኢና ንኣምን።ምኽንያቱ ኤርትራ ፖሊሲኣ ስለዘይቀየረት” ኢሎም።

ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ተጠቂምካ ውዕል ኣልጀርስ ንምንፃግን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንክመፅእ ምሕጋዝን ካልኦትን ዝብሉ ሓሳባት ይብሉ ቀ/ሚ ሃይለማርያም፣ጉዳይ ኢትዮዽያ ኣይኮነን።ኣይንብገሰሉን ኢሎም።

ንጉዳይ ዓሰብ ኣመልኪቶም ክዛረቡ ከለው ”ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ዓሰብ መርገፂን ፖሊስን ኢህወዴግ ኣዝዩ ንፁር‘ዩ።ፅልግልግ ክህሉ ኣይግባእን።ኤርትራ ኣብ ዝደኸመትሉ እዋን፣ኢትዮዽያ ንዓሰብ ክትቆፃፀር ኣለዋ ኢልካ ዘረባ ፈፂሙ ተቀባልነት ዘይብሉ‘ዩ” ኢሎም።

ጋዜጠኛ ዳንኤል ብርሃነ ኢትዮዽያ ስለ‘ቲ ግድብ ኢላ ንሱዳን ንምሕባል ክፋል መርየት ኢትዮዽያ ንሱዳን ከምዝሃበት ይዝረብ‘ሞ ሓቂ ድዩ ኢልዎም ነይሩ።

ቀ/ሚ ሃይለማርያም ”ስለምንታይ‘ዩ እዚ ጉዳይ‘ዚ ሎሚ ዝላዓል ዘሎ? ኣብ 2005 ተላዒሉ፣ኣብ 2009ን ምርጫ ተላዒሉ ቀ/ሚ ዝነበሩ መለስ ዜናዊ ነዊሕ መልሲ ንኣባላት ፓርላማ ሂቦም።ሎሚ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ተመሳሳሊ ሕቶ ይቀርብ‘ሎ።ምርጫ ብዝቀረበ ቁፅሪ ዝላዓል ሕቶ ኮይኑ‘ሎ።ተዘይኮይኑ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮዽያ ዝተኸትመ ሓድሽ ውዕል ዶብ የለን” ኢሎም።
ትሕዝቶ ጋዜጣዊ መግለፂ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:59 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG