ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ሸርፊ ወጻኢ ድሕሪ ምግባራ፡ ነጋዶ ምስቲ መዓልታዊ ዝቀያየር ዘሎ ናህሪ ዋጋ፡ ዋጋታት ሃለኽቲ ብቐዋሚ ክጽሕፉ ተጸጊሞም ኣለዉ። ሸርፊ ብር ብመንጽር ዶላር ኣብዚ ሰሙን ክሳብ 60% ካብቲ ዝነበሮ ወሲኹ’ዩ። እዚ ታሪኻዊ ዝተባህለ ውሳነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ መጠን ሸርፊ ምልካዕ፡ ብዕዳጋ ክኸይድ ብምፍቃድ ነቲ ዝጸንሐ ልምድታትን ትጽቢታትን ቀዪሩዎ ኣሎ።
ሳምራ ኣብ ቦሌ እትርከብ ሆቴል’ያ። ኣብ መሕበሪ ዋጋታትን ዓይነት ቀረባትን (ሜኑ) ዝኽተሉዎ ዘለዉ ቅዲ ድማ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝርአ ተለዋዋጢ መጠን ዕዳጋ ዘንጽር’ዩ። ዓይነት ዝርዝር ቀረባት ምስ ጸሓፉ፡ መጠን ዋጋ ናጻ’ዩ ተገዲፉ።
ኣብቲ ሆቴል እትሰርሕ ራሄል ተሾመ “ቅድሚ ሎሚ፡ ዋጋታት ምናልባት ኣብ ክልተ ወርሒ ሓንሳብ ይሕደስ ነይሩ። ሎሚ ግን መዓልታዊ’ዩ ዋጋታት ቀረብ ዝቀያየር። ስለዚ ከኣ ኢና ነቲ መጠን ዝሕብር መስመር ባዶ ገዲፍናዮ ዘሎና፡” ትብል።
ሓያሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ድኳናት፡ ዋሕዲ ቀረባት ከይመጽእ ብምስጋእ ንብረት ኣብ ምኽዛን’የን ዘለዋ። ካብ መንግስቲ መቕጻዕቲ ከይገጥመን ስለ ዝስገኣ ከኣ ካብቲ ዘለወን ውሑድ ጥራይ ንመሸጣ የቕርባ። መንግስቲ’ውን ነቲ ተግባር ምስ ኣስተውዓለ፡ ንብረት ዝኽዝኑ ነጋዶ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ’ዩ። ምናልባት ብዙሕ ንብረት ክዕድጉ ዝደልዩ ዓማዊል’ውን ኣብ ድኳናት ዘይኰነስ ካብ መኻዚኖ ከይዶም ንብረቶም ክእክቡ’ዮም ዝሓተቱ ዘለዉ። ንዕኡ’ውን ክቡር ዋጋ’ዮም ዝኽፍሉ።
ኣብቲ ብዙሕ ልውውጥ ንግዲ ዝርኣየሉ መርካቶ፡ ዋጋታት ከይውስኽ ዝቆጻጸሩ ሓለዋ ፖሊስ ይርኣዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር ንብረት ከዚነን ብዝብል ክሲ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ድኳናት ተዓሺገን’የን።
ቤት ጽሕፈት ንግዲ ኣዲስ ኣበባ’ውን ንብረት ዝኸዘኑ ወይ ልዕሊ ዋጋ ንዘኽፈሉ ነጋዶ ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ’ዩ።
ኣብታ ንዓመታት ብመንግስቲ ዝተለክዐ መጠን ሸርፊ ክትካየድ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ እዚ ምትዕርራይ ሸርፊ ወጻኢ ብድፍኢት ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)ን ካልኦት ኣለቃሕቲ ኣካላትን ድሕሪ ዝተገብረ ጸቕጢ ዝሰዓበ’ዩ። እታ ሃገር ድሕሪ ዝገበረቶ ናይ ዕዳጋ ለውጢ ድማ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ዝኽፈል ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቓሕ ኣውሒሱ። ካብኡ እቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ንእለቱ ናብ ካዝና መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰጋገር’ዩ።
ብሰንኪ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ካብ ደገ ንብረት ንምግዛእ ተጸጊሙ ዝጸንሐ መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ድሕሪ ዝረኸቦ መጠናዊ እፎይታ ነቲ ጋግ ኣብ ምምልእ ክጓየ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ንዝርአ ሕጽረት ዘይቲ ብልዒ ንምሽፋን ድማ 14 ሚልዮን ሊትሮ ዘይቲ ኣእትዩ። እዚ ግን ምስቲ ዘሎ ክብሪ ዋጋታት ንጣብ እምበር መሰረታዊ ፍታሕ ክኸውን ኣይክእልን።
በዚ ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት እቶም ቀዳሞት ተሃሰይቲ ብደሞዝ ዝመሓደሩ’ዮም። መንግስቲ ጥንቁቕ ፖሊሲ እንተ ዘይሓንጺጹ ድማ እቶም ብውሱን ደሞዝ ናብራ ዝመርሑ ናብ ዝኸፍአ ቅልውላው ከምርሑ ተኽእሎ ከም ዘሎ ክኢላታት ይገልጹ።
መንግስቲ፡ ነጋዶ ግምታት እናገበሩ ዋጋታት ከይውስኹ ኣጠንቂቑ’ዩ። እንተዀነ መሓዉራት መንግስቲ’ውን ንባዕላተን ካብ ምንሃር ዋጋታት ኣየድሓናን። ብመሰረት ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ንኣብነት መውጽኢ ሓድሽ ፓስፖርት ኣቐዲሙ ክልተ ሽሕ ብር እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ናብ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ደዪቡ ኣሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ