ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ንኤርትራ ሓዊሱ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ማህበረሰብ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ክሰርሓ አለዎም” ፕረዝ.ዑመር አልበሽር


ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ምብጻሕ ዝፍጽሙ ዘለው ናይ ሱዳን ፕረዝደንት ዑመር ሓሰን አልበሽር ንኤርትራ ሓዊሱ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ማህበረሰብ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ክሰርሓ አለዎም ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም ርክብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንሃገራት’ቲ ከባቢ አብነት ክኸውን ይኽእል’ዩ ብምባል እተን ሃገራት’ቲ ከባቢ ብቅልጡፍ ውህደት ክፈጥራ ተላብዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ናይ ትማሊ መግለጺኦም አብ ሓባራዊ ከባቢያዊን ርክባቶምን ትኹረት ሂቦም ኣብ ሓባራዊ ርኽቦም ብንግዲ ንምትእሳሰር ስምምዕ ከምዝተፈራረሙን ብመንገዲ ቴሌኮሚኬሽን፡ ቀረብ ጸዓትን ምዝርጋሕን መስመርን ዝአመሰሉ ዝተጀመሩ ስርሓት ዝተሓንጸጸ ውጥናት ዘርዚሮም።

ብኻልእ ወገን ብሚኒስተር ወጻእን ፕረዝደንታዊ አማኻሪን ዝተመርሓ ጉጅለ ልኡኻን ኤርትራ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ጌሩ’ሎ።

ብሚኒስተር ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን አማኻሪ ፕረዝደንት የማነ ገብረአብ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኻን ኤርትራ አብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ሳልቫኬር ብሶኑይ ከምዝተራኸቡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG