ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ሶማል ኣብ ኬንያ ዝርኸብ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት በጺሖም


ፕረዝደንት ሶማል ኣብ ኬንያ ዝርኸብ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ዝበጽሕሉ
ፕረዝደንት ሶማል ኣብ ኬንያ ዝርኸብ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ዝበጽሕሉ

ናይ ሶማል ፕሬዝዳንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኬንያ ንልዕሊ 300 ሽሕ ሶማሊያዊያን ስደተኛታት ዘዕቖበ መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ኽትዓጽዎ እንተኾይና ንዕኦም ከተኣናግድ ዝኽእል ውጥን ክህልዋ ኣለዎ ኢሎም።

ፋይል- መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ - 2012 ዓ.ም
ፋይል- መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ - 2012 ዓ.ም

ኣብቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ብምብጻሕ መደረ ዘስምዑ እቶም ፕሬዝዳንት ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ዝሓሸ መንገዲ ክፍጠር ኣለዎ ኢሎም።

‘ኬንያ፣ሶማል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ስደተኛታትን ኣብ ዘይተረጋገአ ሃዋህው ብቕልጡፍ ንኽትምለሱ ዘካየድና ዝርርብ ይኹን ስምምዕ ከምዘየለ ከረጋገፀልኩም እደሊ።’

ብተወሳኺ ማእኸላይ መንግስቲ እታ ሃገር ካብ ዝወድቕ 1991 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዑደት ዝፈፀሙ ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ናይ መጀምሪያ ፕሬዝዳንት ኮይኖም ኣለው።

ሰበስልጣን መንግስትን ኣባላት ፓርላማን ኬንያ ኣቀባብላ ዝገበሩሎም ኾይኑ ኬንያ ነቲ ልዕሊ 300 ሽሕ ሶማሊያዊያን ስደተኛታት ኣዕቒቡ ዝርከብ መዓስከር ንምዕፃው ዝሓዘቶ ውጥን ከም እትቕፅለሉ ኣብ ምግላፅ ትርከብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፕረዝደንት ሶማል ኣብ ኬንያ ዝርኸብ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት በጺሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:19 0:00

XS
SM
MD
LG