ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: ክልተ ዓበይቲ መዓስከር ስደተኛታት ንምዕጻው ወሲና


ፋይል- ዳዳብ ኣብ ኬንያ ዝርኸብ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ዓለም
ፋይል- ዳዳብ ኣብ ኬንያ ዝርኸብ ዝዓበየ መዓስከር ስደተኛታት ዓለም

ኬንያ ስግኣት ጸጥታ'ዩ ነዚ ውሳኔ ከካይድ ኣለዓዒሉኒ ክትብል ኣብ ሃገራ ንዝርኸቡ ክልተ ዓበይቲ መዓስከር ስደተኛታት ንምዕጻው ምውሳና ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምፍላጣ ይዝከር።ገለ ተንተንቲ ግን ነቲ ውሳኔ ካልእ መበገሲ'ውን ኣለዎ ይብሉ።

ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝርኸብ ኣብያተ ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ኬንያ ከምዝተዓጽወ'ውን ኣብኡ ዝርኸቡ ስደተኛታት ገሊጾም'ለው።

መንግስቲ ኬንያ ነቲ ብምድምሩ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮን ስደተኛታት ዝርከብሉ መዕቆቢ ስደተኛታት ካኩማን ዳዳብን ክዓጽው'የ ክብል'ዩ ኣፍሊጡ።

መዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ መብዛሕኦም ሶማልያዊያን ዝኾኑ ልዕሊ 328 ሽሕ ስደተኛታት ዝርኸብዎ ኽኸውን ኸሎ መንግስቲ ኬንያ ስግኣት ግብረ-ሽበራ ምክንያት ምዕጻው እቶም መዓስከራት ምኳኑ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ ትካል ተሓላቂ ሰብአዊ መሰላት ሂማን ራይትስ ዎች ተመራማሪ ጉዳይ ስደተኛታት ግረይ ማምሶን ግን ስደተኛታት ስግኣት ኬንያ ኣይኮኑን ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኬንያ ክልተ ዓበይቲ መዓስከር ስደተኛታት ንምዕጻው ወሲና
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:52 0:00

XS
SM
MD
LG