ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ኦባማ ንምምሕዳሮም ኣንፃር ግብረሽበራ ዘካይዶ ግጥም ዕዉት ነይሩ ኢሎም


ፕረዝደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መደብር ሓይሊ ኣየር ማክዲል ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘስምዕዎ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ዘተኮረ ናይ መወዳእታ መደረ፡ ኣሜሪካ ንዳዕሽ ብምድኻም ናብ ባርባራውን ጨካንን ምስሉ ኣውሪዳቶ፣ኣል-ቃይዳ ንዖሳማ ቢን ላዲን ብምቕታል ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ገይራቶ’ላ ኢሎም።ኣሜሪካ ክብርታታ ክትዕቅብ እውን ኣጠንቂቖም ኣለው።

ፕረዝደንት ኦባማ ኣብ መደብር ሓይሊ ኣየር ማክዲል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሳላ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ኤስያን ምስ ከባቢያዊ መሻርኽቲ ብሓባር ንምስራሕ ዝተሓንፀፀ ሓድሽ ስትራተጂ ምምሕዳሮም ኣንፃር ግብረሽበራ ዘካይዶ ግጥም ዕዉት ነይሩ ኢሎም።

ፕረዝደንት ኦባማ ኣል-ቃይዳ ድሕሪ ሞት መራሒኡ ዖሳማ ቢን ላዲን ብፅላሎት ናይ ቀደም ሽሙ እዩ ዝነበር ዘሎ፣ኣሜሪካን መሻርኽታን ንፋይናንሳዊ ፀጋታቱን ንመናእሰይ ናይ ምስሓብ ዝነበሮ ተኽእሎን ምስበታተንኦ ወታደራዊ ዓቕሚ ዳዕሽ ተዳኺሙ’ሎ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ እዚ ኹሉ ተሰሪሑ ዘሎ ብዘይ ኣገባብ መስቀይትን ኣመንቲ እስልምና ምስ ግብረ ሽበራ ብዘይምርኻብን እዩ ኣንፃር ሸበራ ንምግጣም ዝበለፀን ነዊሕ ዝዘልቕን ስትራተጂ ልምዓት እዩ እውን ኢሎም።

ፕረዝደንት ኦባማ ንቤት ማእሰርቲ ጉዋንታናሞ ንምዕፃው ዝኣተውዎ መፅብዓ ከይፍፀም ኮንግረስ ዕንቅፋት ምፍጣሮም እውን ነቒፎም።ብዝሒ እሱራት ኣዚዩ ከምዝነከየ ብምግላፅ ግን ብዙሕ ወፃኢ ዝግበረሉ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ሃገራዊ ክብሪ ፀሊም ነጥቢ ዘዕረፈ እዩ ኢሎም።

ናይ ስልጣን እዋኖም ይውድኡ ዘለው ኦባማ ወታደራት ኣሜሪካ ንሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ንናይታ ሃገር ነፃነትን ንምሕላው ዝኸፈሉዎም ይኸፍሉዎ ዘለውን መስዋእቲ ኣመስጊኖም ኣለው።ኣሜሪካን ህዝባ ብዘይስግኣት ንፕረዝደንቶም ክነቕፉ ዝኽእሉላ ሃገር እያ ክብሉ ፕረዝደንት ኦባማ ምናልባሽ እውን ናብ ተካኢኦም ዘቕንዐ ዝመስል መዘኻኽሪ እውን ኣሕሊፎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

XS
SM
MD
LG