ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ባይደን ንፖሊሲታት ወጻኢ ዝምልከት መብርሂ ንጋዜጠኛታት ሂቡ



ፕረ. ባይደን ንፖሊሲታት ወጻኢ ዝምልከት መብርሂ ንጋዜጠኛታት ሂቡ
ፕረ. ባይደን ንፖሊሲታት ወጻኢ ዝምልከት መብርሂ ንጋዜጠኛታት ሂቡ

ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ሓሙስ ንሕቶ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝመለሰሉ እዋን ብዛዕባ ፖሊሲታት ወጻኢ ዝርዝር መብርሂ ሂቡ- ከምኡ`ውን ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ከወዳድሮ ዘኽእል ብቖዓት ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።

ፕረዚደንት ባይደን ድሕሪ ምዕጻው ዋዕላ መራሕቲ ኔቶ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንዩክሬን ኣንጻር ወራር ሩስያ ንምሕጋዝ ጭቡጥ ስጉምቲ ንምውሳድ ዋዕላ መራሕቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ- ኔቶ ምስምማዑ ሓቢሩ።

ባይደን ኣብ ቅድሚ ዜና ዝጸምኡ ጋዜጠኛታት ጠጠው ይብል ከም ዘሎ ይፈልጥ ኔሩ። ኣብ ጎኑ ንዝነበረ ፕረዚደንት ዩክሬን ዘለንስኪ ኣብ ዘላለየሉ እውን `ውን ብዙሕ ናይ ዋዛ ዝመስል ሽም ምግጋይን ንዘለስንኪ ዘመጉስን ነገራት ኣልዒሉ ኔሩ።

ባይደን ድሕሪ ኣኼባ ኔቶ ሕቶታት ጋዜጠኛታት ምምላስ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ናይ ፕረዚደንት ዘመኑ ዘጋጠሞ ዝዓበየ ብድሆ፡ ዩክሬን ንወራር ሩስያ ኣብ ምክልኻል ትገብሮ ስራሕ ኣብ ምሕጋዛ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዛጊት ብወገን ኣመሪካ ዝዓመሞ ስራሕ ዝተመስገነሉ ምዃኑ ተዛሪቡ፡-" ኣብ እዋን`ዚ ዋዕላ ኔቶ፡ ብዙሓት መራሕቲ ንኣመሪካን ንዓይ ብውልቅን ኣመስጊኖምና እዮም። ነቲ ኔቶ ዘዐወቶ ስራሓት ኣመስጊኖም `ዮም።"

እንተኾነ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ `ውን ካልእ ብድሆታት ፈጢርሉ ከም ዘሎ ኣይከወለን- ብፍላይ ድሕሪ`ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ዘርኣዮ ድኹም ብቕዓት ክትዕ። ሕማቕ መዓልቲ ክብል`ውን ገሊጽዎ`ዩ። እንተኾነ ሕጂ `ውን ንሪፓብሊካን ሕጹይ ዶናልድ ትራምፕ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ምርጫ ክስዕሮ`የ ኢሉ ከም ዝኣምን ኣስሚርሉ`ሎ።

“ኣነ ንፕረዚደንትነት ንክወዳደር ብሉጽ ብቕዓት ዘለኒ ይመስለኒ። ቅድሚ ሎሚ ስዒረዮ`የ- ሎሚ `ውን እንደገና ክስዕሮ`የ "

ባይደን ኣብ ቅድሚኡ ንዘለዉ ዓበይቲ ዓለማዊ ብድሆታት ናይ ምግጣም ዓቕሙ ሕቶታት ምልዓሉ ቀጺሉ`ሎ። ኣብቲ ኔቶ መበል 75 ዓመቱ ንምኽባር ኣብ ዋሺንግተን ተኣኪብሉ ዝቐነየ ዋዕላ `ውን እቲ ናይ ሻቕሎት ጉዳይ ብትሑት ድምጺ ይልዓል ኔሩ`ዩ።

መራሕቲ`ቲ ኪዳን ንኣተሓሕዛ ዩክሬን ዝምልከት ብርክት ዝበለ ጭቡጥ ስጉምትታት ክወስዱ ኣብ ዝተራእይሉ እዋን፡ ሓደ ካብኡ ንምውህሃድ`ቲ ግጭት ብዝምልከት ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ዋሺንግተን ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ኔቶ ክኸውን ዝብል`ዩ ኔሩ። ግን ከኣ ብወግዒ ክዛረቡ ከለዉ ብዙሓት መራሕቲ ነቲ ባይደን ክመርሕ ብቕዓት የብሉን ዝብል ሕቶታት የውድቕዎ ኔሮም። ፕረዚደንት ፊንላንድ ኣለክሳንደር ስታብ ሓደ ካብኦም`ዩ፡ “እዚ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንሃገሩ ክመርሕን ንዩክሬን ኣብ ምሕጋዝ ከምኡ`ውን ንኔቶ ክመርሕን ከም ዝኽእል ምንም ጥርጣረ የብለይን፡ እዚ ዋዕላ ዘርእዮ ዘሎ ምስክርነት ድማ ንሱ`ዩ። "

ገለ ተንተንቲ `ውን በዚ ዝሰማምዑ ይመስሉ፡-ዊልያም ጋልስተን ካብ ብሩኪንግስ ኢንስቲቱት`ዩ- ከምዚ ይብል። “ባይደን ዕዉት መዓልቲ ዝነበሮ `ዩ ዝመስል። ኣብ ውሽጢ`ዘን ዝሓለፋ ሓያሎ መዓልታት ዝሓሸ መዓልቲ`ዩ ኔሩ። እዚ ነቲ ዘሎ ዝቕይሮ ድዩ ወላስ ንግዚኡ ኣንፈት ዘቐይር `ዩ ንዝብል ግን ቀስ ኢልና ንርእዮ `ዩ ክኸውን " ኢሉ።

ሎሚ ዓርቢ ባይደን ካልእ ዘይዓረፈ ፈተና ይጽበዮ`ሎ። ናብ ጎስጓስ ምርጫ ይምለስ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ከተማ ዲትሮይ ንኣድመጽቲ ክጉስጉስ`ዩ- ደገፍ ኣድመጽቲ ኣዝዩ ዝደልየሉ ቦታ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG