ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሩስያ ናይ ስራሕ ዑደት ይፍጽም


ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዝገብረሉ ዕድመ መሰረት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ንናይ ኣርባዕተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ሞስኮ ኣትዩ። እቲ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኮሚሽነር ባህሊ ኣምባሳድር ዘመደ ተኽለን ዝሓቘፈ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ሞስኮ፡ ምኽትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሩደንኮ ኣንድረይ ከም ዝተቐበሎ መልእኽቲ ትዊተር ኣቶ የማነ ኣመልኪቱ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ከም ዝጠቐሶ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ጽባሕ ረቡዕ (31 ግንቦት) ክራኸቡ መደብ ወጺኡ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቶም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባዊን ዓለማዊን ጉዳያት ኣልዒሎም ክዝትዩ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ኤርትራ ወራር ዩክሬን ኣብ ዝጀመረሉ ወርሒ መጋቢት 2022፡ ሓንቲ ካብተን ንወራር ሩስያ ዝዅንን ውሳነ ንምሕላፉ ዝተቓወማ ሓሙሽተ ሃገራት ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ምንባራ ይዝከር። ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮብ ኤርትራ በጺሑ ነይሩ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG