ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ሶማል ኣብ ኤርትራ ዘካይድዎ ዑደት ዛዚሞም ናብ ሃገሮም ተመሊሶም


ፕረ.ሶማል ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመልስሉ እዋን
ፕረ.ሶማል ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመልስሉ እዋን

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ዝገበርዎ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሞም ሎሚ ስሉስ ንጉሆ 10 ጥቅምቲ 2023 ካብ ምጽዋዕ ናብ ሃገሮም ከም ዝተመለሱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣፍሊጦም።


ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝፍለጥ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ከም ዝበልዎ ፕረዚደት ሓሰን ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ምስ ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓባራውን ዞባውን ጉዳያት ጽዑቕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያዶምን ኣብ ኤርትራ ይስልጥኑ ንዘለዉ ሓይልታት ሶማል ምብጽሖምን እዩ።

ኣቶ የማነ ኣብ ናይ ትማሊ ናይ ኤክስ መልእኽቶም ናይ ሶማል ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ይስልጥን ንዘሎ መካናይዝድ ፍሉይ ሓይሊ ባሕሪ ሓይሊ ኣየር ሶማል ምስ ፕረዚደንት ኢስያስ ብምዃን በፂሖም ክብሉ ገሊጾም ኔሮም።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG