ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራሲስን ኢማን ሱኒን ነዚ ጻውዒት ዝቐረቡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኣገዳስነት ሰብኣዊ ሕውነትን፡ ብዛዕባ ምኹናን ንግጭታት ዘበግስ ጽልእታትን ንምዝርራብ፡ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተኣከበሉ እዋን`ዩ።
ካቶሊካዊ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ናብቲ ዋዕላ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ "ናብ ሳልሳይ ኲናት ዓለም ቀስ እናበልና ንኣቱ ከይንህሉ እሰግእ`የ" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብዚ ሳዕቤናት ኑክሌራዊ ኣጽዋራት ንዝክረሉ እዋን፡ ንኲናት ብግልጺ እምቢ ንብለሉ እዋን ሎሚ`"ዩ ኢሎም።
ኢማም መስጊድ ኣል-ኣዝሃር ግብጺ ሸኽ ኣሕመድ ኣል-ጠይብ፡ ብወገኖም፡ ሰብኣዊ ሕውነት ንዓለምለኸ ሰላም መፍትሕ`ዩ ብምባል ነቲ ኣብ 2019 ምስ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብሓባር ኮይኖም ዘውጽእዎ መግለጺ ኣመላኺቶም።
ናይዚ ወርሒ'ዚ ፕረዚደንትነት ባይቶ ጸጥታ ሒዛ ዘላ ኢማራት ዓረብ`ያ ኣገዳስነት ሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ምምጻእ ሰላም ክዝተየሉ መሪጻ።
ድሕሪ ጻውዒት ሊቃነ ጳጳሳት ፍራሲስን ኢማን ሱኒን ድማ ባይቶ ጸጥታ ሓደ ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ውሳነ ናይ ጽልኢ መደረ፡ ዓሌታዊነት፡ ዘይተጸዋርነት፡ ጾታዊ ኣድልዎ፡ ከምኡ'ውን ተግባራት ጽንፋውነት፡ ንግጭት ዝደፍእ`ዩ ተባሂሉ ንክኹነን ይጽውዕ።
እቲ ብኢማራት ዓረብን ብሪጣንያን ዝተመርሐ ውሳነ፡ ኩለን ሃገራትን ትካላትን ነቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ተግባራት ክኹንናን ንምክልኻሉ ብሓባር ክሰርሓን ይጽውዕ።እቲ ውሳነ ሽሕ `ኳ ገለ ካብ መንጎ`ተን 15 ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ በቲ ዝኹንንኦ ዘለዋ ተግባራት ዝኽሰሳ እንተኾና ብምሉእ ድምጺ ሓሊፉ'ሎ።
ኣምባሳደር ኢማራት ዓረብ ላና ኑሰይብ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ክትገልጽ ከላ፡ መሰረታዊ ውሳነ`ዩ ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ዝነበረ ንናይ ጽልኢ መደረን ዓሌታውነትን ዝኹንን ውሳነታት ንመጀመርያ ግዜ ብዝተፈለየ ኣገባብ ክቐርብ ኢላ። ንሳ ኣስዒባ ተጸዋርነት፡ ማዕርነት፡ ብሓባር ምንባርን ልዝብን ዘተባብዕ`ዩ ኢላ።
ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ኣብ መልእኽቶም ሕቡራት ሃገራት ካብቲ ዝተመስረተሉ 1945 ንድሕሪት`ዩ ዝምለስ ዘሎ ኢሎም።ንሶም ወሲኾም ዓለም ካብ ኲናት ወጽያ ናብ ዝያዳ ርግኣትን ስድራቤት ሃገራውነትን ክትከውን`ዩ እቲ ትጽቢት ኔሩ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ዓለም ንጎንጽታትን ቂምታን ዘለዓዕል ምኽንያታት ተማዕብል ኣላ ኢሎም። ኣተሓሒዞም ካብ መሸጣ ኣጽዋራት ንምኽሳብ ዝግበር ህንጡይነት ሓደጋ ውድድር ኣጽዋር የኸትል ኣሎ ክብሉ`ውን ኣጠንቂቖም።
ቅድሚ ሎሚ ሊቃነ ጳጳሳት ኢሎምዎ ዘይፈልጥ ድማ ፡ ምውናን ኣቶሚክ ቦምብ ሞራላዊ ኣይኮነን ኢሎም። ኢማም ኣል ጠይብ ብወገኖም ናብቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ንዒራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሶርያ፡ ሊብያ፡ የመን ብምጥቃስ እቲ ባይቶ ንትርጉም ኣልቦ ኲናት ክኹንን ኣተሓሳሲቦም። ከምኡ`ውን ፍልስጤማውያን ድሕሪ 75 ዓመት ከም ሃገር ኣፍልጦ ክረኽቡ ጸዊዖም።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንተንዮ ጉተረዝ፡ እቲ ብሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ኢማም ኣል-ጠይብን ዝቐረበ መግለጺ፡ መርኣያ ትሕትናን ሰብኣዊ ሓድነትን`ዩ ድሕሪ ምባል፡ ሃገራት ከም ሓደ ሰብኣዊ ስድራቤት ደው ክብላን ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዝተመስረተ ምሕዝነት ሰላም ከማዕብላን ጸዊዑ።
ቅጥዒ