ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ (3ይ ኽፋል)


ኣቶ ሓጎስ ገብረ(ጸጋም) ን ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ(የማን)
ኣቶ ሓጎስ ገብረ(ጸጋም) ን ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ(የማን)

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ፀገም ክፍታሕ ዝኽእል ካብ ኢትዮጵያ ዝመንጨወ ንኤርትራ ኣምበርኺኽካ ተመሊስካ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምእታው ዘሎ ኣተሓሳስባ ክቕየር ከሎ እዩ ይብሉ ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ።

"ኣነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘሎ ሃዋህው 'ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም’ ኣይኮነን ዝብሎ፤ኲናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብኻልእ መንገዲ ይካየድ እዩ ዘሎ" ዝበሉ ዶ/ር በርሀ ካብዚ ኣተሓሳስባ ምውፃእን ብቤት ፍርዲ ዝተዋሃበ ፍርዲ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ጥራሕ እዩ እቲ መፍትሒ ይብሉ።

"ንኤርትራ መሊስካ ምሓዝ ዝብል ኣብ ኢትዮጵያዊያን ኣሎ ዝብል ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዩ’’ ዝበሉ ኣቶ ሓጎስ ገብረ ብወገኖም እቲ ቀንዲ ፀገም ኣብ ክልቲኦም ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሎ ናይ ዘይምትእምማን ሽግር ስለዝኾነ ምትእምማን ክህልው ክስራሕ ኣለዎ፣ህዝቢ ብቐሊሉ ክራኸብሉ ዝኽእሉ ኩነታት ምፍጣር ኣገዳሲ እዩ፤እቲ ዘሎ ፀገም ክፍታሕ ዘይኽእል ፀገም ኣይኮነን ይብሉ

ሳልሳይ ክፋል እቲ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፖለቲካዊ ምትፍናን 3ይ ኽፋል
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:50 0:00

XS
SM
MD
LG