ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ.ባይደን ምስ ኣብ ኣመሪካ ዑደት ዘካይዱ ዘለው ቀ/ሚ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ኣብ ኣመሪካ ዑደት የካይዱ ንዘለው ቀዳማይ ሚንስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳን ትማሊ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት ተቐቢሎም ኣዘራሪቦምዎም።

ብዙሕ ትፅቢት ዝተገበረሉ ዑደት ቀ/ሚ ኪሺዳ ኣብ ዋሽንግተን ነቲ ቻይና ኣብ ዞባ ፓሲፊክ ተካይዶ ዘላ ቶኽታዅ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ብዝምልከት ዘሎ ሓባራዊ ስኽፍታታት ዘጉልህ እዩ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ምሕዝነት ክልቲኣን ሃገራት ከም መኣዝን ፖሊሲ ሽርክና ኢንዶ-ፓስፊክ ከምዝርእይዎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓቢሮም።

ቀ/ሚ ጃፓን፡ ፕረዚደንት ባይደን ናብ መዝነት ካብ ዝመጹ መንግስታዊ እንግዶት ዝተገብረሎም ሓምሻይ መራሒ ሃገር እዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG