ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚንስትር እስራኤል ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንምጥያስ ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሓ ስምምዕ ከምዝሰረዞ ኣፍሊጦም


I
I

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንያሚን ነታን ያሁ ትማሊ ሶሉስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ ሃገሮም ንዘለው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ንምጥያስ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጸሓ ስምምዕ ሃገሩ ከምዝሰረዘቶ ሓቢሮም።

ንሶም ሃገሮም ንምጥያስ እቶም ስደተኛታት ምስ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስምምዕ ምብጽሓ ዝገልጽ መብርሂ ድሕሪ ምሃቦም ድሕሪ ሰዓታት’ዩ ምስራዝ’ቲ ስምምዕ ዘፍለጡ።

ንሶም ነቲ ስምምዕ ስዒቡ ዝቐረበ ጥርዓን ኣብ ግምት ብምእታው ንውሳነኦም ምቕያሮም ገሊጾም።

ብመሰረት ቀዳማይ መግለጺ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣስታት 16,000 ስደተኛታት ናብ ሃገራት ካናዳ: ጀርመንን ኢጣልያን ከምዝጣየሱ ዝገልጽ እንተነበረ ጀርመን ግን ብዛዕባ’ቲ ስምምዕ ትፈልጦ ነገር ከምዘየለ ምሕባራ’ውን ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ እስራኤል መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ኣስታት 35,000 ስደተኛታት ከምዘለው ዝፍለጥ እንተኾነ መንግስቲ እስራኤል ግን ስደተኛታት ዘይኾኑ ዶብ ጥሒሶም ዝ ኣተው ዘይሕጋዊያን ነበርቲ እዮም ክብል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG