ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ 16 ሽሕ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ክጣየሱ ምዃኖም ተሓቢሩ


መንግስቲ እስራኤል ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብምስምማዕ ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ 16,000 ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ክጣየሱ ምስምሞዖም መራኸቢ ብዙሃን እስራኤል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ እዘን መራኸቢ ብዙሃን እቲ ሓበሬታ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያ ሁ ዝተዘርግሓ ሓበ ሬታ ምዃኑን እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ስምምዕ መግለጺ ክህቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ 16 ሽሕ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገራት ምዕራብ ክጣየሱ ምዃኖም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:45 0:00

ኣብ ወርሒ የካቲት መንግስቲ እስራኤል ኣብ ሃገሩ ንዘለው ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክወጹ ወይ ድማ ማእሰርቲ ከምዝገጥሞም መጸዋዕታ ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG