ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈውሲ ፀረ ሓሰኻ ኮቺኔል(ቁርዲድ በለስ) ተረኺቡ

  • ግርማይ ገብሩ

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሲሳይ ወልደገብርኤል

ሓሰኻ ኮቺኔል ወይ ድማ ቁርዲድ በለስ ኣብ ትግራይ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ተኽሊ በለስ ዝኸፈአ ዕንወት ኣብፂሑ እዩ። እቲ ዕንወት በለስ ኣብ እንደርታ፣ወጀራትን ራያን ድማ ጐሊሁ ተራእዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ሓሰኻ ንምክልኻልን ነቲ ዝተረፈ ተኽሊ በለስ ካብ ሓደጋ ንምንጋፍን ዝሕግዝ ፈውሲ ተማሂዙ ኣሎ።

ነቲ ፈውሲ ዝቐመሙ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህርን ተመራማርን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር ሲሳይ ወልደገብርኤል ይበሃሉ።

ንሶም እቲ ሓሰኻ ንህዝቢ ንምጉዳእ ተሓሲቡ ኣይኰነን ናብ ሃገር ክኣቱ ዝተገብረ ይብሉ፤ እንተኾነ ልዑል ረብሓ ስለዘለዎ ሓረስታይ ትግራይ ክጥቀም ተባሂሉ እዩ። ብዕላማ ተሓሲቡ ነይሩ ኰይኑ ግና ሳዕቤኑ ብኢሱ ኢሎም።

ሓሰኻ ኮቺኔል ብፍላይ ኣብ ሃገራት ሜክሲኮን ፔሩን ልዑል እቶት ይህብ፤ ንዝተፈላለዩ ሕብርታት መድመቒ፣ ንመመላኽዒ፣ኣብ መስተ ወይኒ፣ ማልማታን ማርጋሪን ፅቡቕ መታሓውስቲን መቓምምትን ኰይኑ የገልግል ይብሉ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሲሳይ።

እንተኾነ ግን እዞም ሃገራት ነቲ ኣብ ተኽሊ በለስ ዝነብር ሓሰኻ እምበር ነቲ ፍረ በለስ ኣይጥቀምሉን። ኣባና ድማ እቲ ሓቂ ብግልባጡ እዩ፤ ብሰንኪ እቲ ሓሰኻ ንሰብን ንጥሪትን ቀለብ ተሳኢኑ ከቢድ ፀገም ተፈጢሩ እዩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ካብ ሃገር ወፃኢ ብምምፃእን ዝተፈላለዩ ልምዳዊ ሜላታት ብምጥቃምን ንምክልኻል ፅዒሩ እዩ ኰይኑ ግና ኣይተመሰለሉን ዝበሉ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሲሳይ ዳርጋ ዓቕሊ ብዙሓት ኣብ ዝተፀንቀቐሉ ካብ ተፈጥራዊ ተኽሊ ዝቃመም ፈውሲ ምሂዘ ኣለኹ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ምህዞኦም ብተግባር ተፈቲኑ ውጽኢት ከምተረኸቦን ካብ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት መዝጋቢ ኣእምሮኣዊ ፍልጠት መረጋገፂን መተባብዕን ከምዝተወሃቦም ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG