ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈውሲ ፀረ ትዃን ዝመሃዘ ኢትዮጵያዊ ምሁር


ኣይተ ንጉስ ገብረመድህን በዓል ሞያ ቅመማ ኣፋውስን
ኣይተ ንጉስ ገብረመድህን በዓል ሞያ ቅመማ ኣፋውስን

ኣይተ ንጉስ ገብረመድህን በዓል ሞያ ቅመማ ኣፋውስን ክኢላ ሕብረተሰባዊ ጥዕናን እዩ። ኣይተ ንጉስ ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ብሞያ መምህርነት እውን ይሰርሕ።

ኣይተ ንጉስ ምስ መሳርሕቱ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ብምዃን ፈውሲ ፀረ ትዃን ምሂዙ ንኣገልግሎት ቀሪቡ'ሎ። ቅድሚ ሎሚ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ዝነበሩ ማላታይንን ዲዲቲን ዝበሃሉ ባእታታት መርዛም ባህሪ ኣብ ልዕሊ ምህላዎም ንሰብ ሓደገኛ ምንባሮም፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዓሌት ትዃን ነዚ መርዚ እዚ ስለዝተላመዶ ኣገልግሎት ኣይህብን ዘሎ ይብል ኣይተ ንጉስ።

እቲ ሕጂ ካብ ሜንታ ከረሜላን ካብ ካልኦት ባእታታትን ዝተመሃዘ ፈውሲ ፀረ ትዃን ሰባት ወላ እውን በሊዖምዎን ውሒጦምዎን ዘይጓዳእ ኣብ ቆልዑ ዘለዉሉ’ውን ክንፀግ ዝኽእል ምዃኑ ዝያዳ ተመራፂ ኰይኑ'ሎ ይብል እቲ በዓል ሞያ።

በዓል ስልጣን ቁፅፅር ኣፋውስ ኢትዮጵያ እቲ ምህዞ መርዛዊ ባህርያት ከምዘይብሉን ኣብ ዕዳን ኣገልግሎትን ክውዕል ከምዘለዎ መረጋገፂ ፍቓድ ሂቡ እዩ። እቲ ፈውሲ ድማ ኣብ ደቡብ ትግራይ ኩኩፍቶ ኣብ ዝተበሃለ ገጠራዊ መንደር ተፈቲኑ ውፅኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊፁ'ሎ።

ምስ ኣይተ ንጉስ ገብረ መድህንን ዶክተር መኰነንን ዶክተር ኪዳነን ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ከምኡ እውን ተሓሓጋዚ ፕሮፌሰር ዳጋማዊ ዓሊን ዶክተር ወንድወሰንን ኣብቲ መፅናዕትን ምርምርን ተሳቲፎም ኣለዉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ መረጋገፂ መሰል ዋንነት ክህበና ኣመልኪትና ንፅበ ኣለና ይብሉ ኣይተ ንጉስ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፈውሲ ፀረ ትዃን ዝመሃዘ ኢትዮጵያዊ ምሁር
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:26 0:00

XS
SM
MD
LG