ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ 2ይ ክፋል ረፈረንዶም ደቡብ ሱዳንን ፅልዉኡን


ንደቡብ ሱዳን ዘዳውባ 9-ጎረባብቲ ሃገራት ብቀጥታ ኾነ ብተዘዋዋሪ በቲ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ኹናት ሕድሕድ ተተንኪፈን’የን ፣ ስለዚ ዘላቅነቱ ገና ንመፃኢ ዝርአ’ዃ እንተኾነ፡ በዚ ረፈረንደምን ውፅኢቱን እቲ ዞባ ሰላም ክረክብ ይኽእል’ዩ ክብል ኣማኑኤል ዓንደብርሃን -ኣብ ዩኒቨርስቲ መነሶታ፡ ፉል ብራይት ሪሰርች ፌለው ተዛሪቡ።

ካልአይ ጋሻ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣቶ ብስራት ከበደ- ምሁር ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ካብ ፊነክስ ኣሪዞና- ብወገኑ ብሪፈረንዶም ምፍላይ ዘላቂ መፍትሒ’ዃ እንተዘይኾነ፡ ግን ካብ ኾነ ክልቲኦም ወገናት ንዕብየቶም ብሓባር ክሰርሑ ኣለዎም ኢሉ። ኣብቲ ከባቢ ሰላም ዲሞክራስን ፍትሕን ንኽዓስል’ዩ እቲ ዓብይ ነገር ክሰራሕ ዘለዎ፣ምምቃል ብዙሕ ነገር ኣይኮነን ተመሊሰን’ዉን ሓደ ዝኾናሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል’ዩ`ውን ይብል።

ደቡብ ሱዳናውያን ሎም ቅነ ረፈረንዶም ኣካይዶም’ለው። ነፃ ሃገር ናይ ምኻኖም ጉዳይ ዘይተርፍ ኾይኑ ይርአ’ሎ። ንምሉእ ትሕዝቶ ንምልክት ድምጺ ጠውቕ

XS
SM
MD
LG