ዋሽንግተን —
ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ምምሕዳር ኵዊንስ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ተኵሲ 10-ሰባት ከምዝቖሰሉ ቤት-ዕዮ ፖሊስ ከተማ ኒው-ዮርክ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣፍሊጡ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ ረቡዕ ምሽት ኣብ ቀፅሪ ሓደ ናይ ውልቂ ክለብ ክኸውን ከሎ ሽዱሽተ ደቀንስትዮን ኣርባዕተ ደቂተባዕትዮን ምቑሳሎምን ግን ኩሎም ክሓውዩ ትፅቢት ከምዝግበር ፖሊስ ገሊፁ’ሎ።
እቲ ኩነታት ዘጋጠመ 3-4 ደቂተባዕትዮ ኣብ ደገ’ቲ ክለብ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ተኵሲ ምስ ከፈቱ ምዃኑ ፖሊስ ከተማ ኒው-ዮርክ ገሊፁ’ሎ። ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ነቲ ኩነታትን ምውፋር ፖሊስን ዘርኢ ምስልታትን ብምዝርጋሕ ስንበዳኦም ገሊፆም’ለዉ።
ፖሊስ እቲ መጥቃዕቲ ስራሕ ግብረ-ሽበራ ክኸውን ከምዘይክእል’ዩ ገሊፁ'ሎ።
ቅጥዒ