ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍልስጤማዊያን ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ይምለሱ


እስራኤል ድሕሪ ኵናት ምስ ሓማስ ዓጽያቶ ዝነበረት ሰሜናዊ ቓዛ ንፈለማ ግዜ ምስ ከፈተቶ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ፍልስጤማውያን ናብቲ መብዛሕትኡ ዝዓነወ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ክውሕዙ ተራእዮም’ለዉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ብመሰረት’ቲ ተኣፋፊ ዝኾነ ስምምዕ’ዩ።

እቶም ዓሰርተታት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ንብረቶም ሒዞም ኣብቲ ናብቲ ወሽመጥ ንምምላስ ተሰሪዖም ክጉዓዙ ከለዉ ተራእዮም’ለዉ። እዚ ነቲ ኣብ ምጅማር’ቲ ኵናት ዝነበረ ጅምላዊ ህድማን እዚ ቀዋሚ ከይኸውን ብዙሓት ዝነበሮም ፍርህን ዝቀየረ ተርእዩ’ዩ።

እቶም ፍልስጤማውያን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቴንዳታትን ናብ መዓሰከራት ናብ ዝተቀየራ ኣብያተ ትምህርትን ተዓቑቦም ድሕሪ ምፅናሕ’ዮም ዝምለሱ ዘለዉ። እንተኾነ ዝተሃስየ ወይ’ዉን ዝዓነወ ኣባይቲ’ዩ ዝፀበዮም ዘሎ። ይኹን’ምበር ምምላሶም ንባዕሉ ሓጎስ ከም ዝስምዖም ይገልጹ።

ኣብ ጥቅምቲ 2023 ኣስታት ሓደ ሚልዮን ፍልስጤማውያን’ዮም ካብ ስሜን ናብ ደቡብ ገፆም ዝሃደሙ ክኾኑ ከለዉ ብኣማኢት ኣሽሓት ግን ኣብቲ ዝኸፍአ ኵናትን ዕንወትን ዝተፈፀመሉ ክፋል ቓዛ ኣይወፁን።

ብሰንኪ'ቲ ኹናት ካብቲ 2.3 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ ኣስታት 90% ተመዛቢሉ’ዩ። ኣስታት 90 ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ድማ ኣይተፈትሑን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG