ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ምስ በዓልቲ ቤቱ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዶም


በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ቡሽራ ኻን ምስ ቀ/ሚ ፓኪስታን ኢምራን ኻን
በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ቡሽራ ኻን ምስ ቀ/ሚ ፓኪስታን ኢምራን ኻን

በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ቡሽራ ኻን፡ ናይ ሃገር ንብረት ሸይጦም ብዝብል ክሲ፡ ምስ በዓል ቤታ ነፍሲ-ወከፎም 14 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።

እዚ ብቤት ፍርዲ ጸረ-ብልሽውና ናይ ኢስላማባድ ዝተዋህበ ብይን፡ ድሕሪ’ቲ ንኢምራን ኻን ብጉዳይ ምትሕልላፍ ሃገራዊ ምስጢር ን10 ዓመታት ፍርዲ ምሃቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ዩ።

እታ በዓልቲ ቤት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ብባህላዊ ፍወሳታት እትፍለጥ ኰይና ሳልሰይቲ ሰበይቲ ኢምራን ኻን’ያ።

ፓኪስታን ንዝመጽእ ሰሙን ንሃገራዊ ምርጫ ትዳሎ ኣላ። ኢምራን ኻን ብሰንኪ ዝተበየኖ ፍርዲ ኣብ ምርጫ ክሳተፍ ኣይክእልን’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG