ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓኪስታን -- ኢምራን ኻን ን10 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ


ኢምራን ኻን - ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ዝተወስደ ፋይል
ኢምራን ኻን - ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ ዝተወስደ ፋይል

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ኢምራን ኻን፡ ምስጢር ሃገር ንደገ ኣውጺእካ ብዝብል ክሲ ናይ 10 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ምስ ብጻዩ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ምፍራዶም ወሃብ-ቃል እቲ ሰልፊ ኣመልኪቱ።

ኢምራን ኻን ኣብ 2022 እኹል ድጋፍ ብዘይ ምርካቡ ካብ መዝነቱ ምእላዩ ይዝከር።

እቲ በዓል-መዚ ነበር ብገበን ብልሽውና ንሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ስለ ዝተፈርዶ ገና ኣብ ማእሰርቲ’ዩ ዝርከብ። ብእኡ ምኽንያት ድማ ንፖለቲካዊ መዝነት ካብ ምውድዳር ከም ዝተኸልከለ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG