ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

" ኣብ ክልል ኦሮሚያ ህፃውንቲ ከይተረፈ ብጥይት ተቐቲሎም " ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ነበርትን


ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ተቓውሞታት ዳግም ከምዝተልዓለን ህፃውንቲ ከይተረፈ ብጥይት ከምዝተቐትሉን ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን ነበርትን ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ሃረርጌ፣ኣብ ምዕራብ ኣሩሲን ኣብ ምዕራብ ሸዋን ተቓውሞ ከምዘሎ ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣብ ፖሊስ ወረዳ ኣወዳይ ሓላፊነት ዘለዎም ኢኒስፔክተር ግርማ ገላን ግን ኣብቲ ከባቢ ሞይቶም ብዘዕባ ዝተብሃሉ ሰባት ዝተፃረየ ሓበሬታ የብለይን እቲ ሰልፊ ግን ንብረት መንግቲ ንምዕናው ብዝተልዓሉ ናይ ሽበራ ልኡዃት እዮም ነይሮም፤ተቖፃፂርናዮ እውን ኣለና ኢሎም።

ምኽትል ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ ንዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ብዘይምርካቦም ሎሚ እውን በብማዕልቱ ተቓውሞ ከምዝቐፀለ ይዛረቡ።

መንግስቲ ኣብ ክንዲ ንዝልዓሉ ሕቶታት መልሲ ምሃብ ኣብ ልዕሊ ህፃናት ከይተረፈ ብዕጡቓቱ መቕተልቲ ይፍፀም ኣሎ ኢሎም።

" ሎማዕንቲ ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ከተማ በዴሳ ዘይርምድዳ ተፈጢሩ ኣብ ቀብሪ ካብ መንጎ ዝነበሩ ሓደ ሰብ ሞይቱ ኣርባዕተ ድማ ቆሲሎም ኣለው።ዕድሚኦ ሸውዓተን ሸሞንተን ዝኾኑ ክልተ ህፃናት ብጥይት ተወቒዖም ኣለው።ኣብ ቤዴሳ እውን 14 ሰባት ብጥይት ቆሲሎም ኣብ ገለምሶን ጭሮን ኣብ ኣዳማ ኣብ ምሕካም ይርከቡ።ኣብ ኣወዳይ 26 ሰባት ቆሲሎም ካብኦም ሽዱሽተ ሞይቶም ኣለው።ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ በብማዕልቱ ተቓውሞ እናወሰኸ እዩ" ኢሎም​ ምኽትል ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ ሙላቱ ገመቹ።

ነባሪ እታ ከተማ ዝኾና ወ/ሮ ኢፍቱ ኣብደላ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት 13 ዓመት ዝዕድሚኡ ውላደን ለሊሳ መሓመድ ብጥይት ከምዝተቐተለ ይገልፃ።

" ኣብ ገዛ ኣይንበርኩን።ወዲኹ ሞይቱ ኢሎምኒ።ተምሃራይ ራብዓይ ክፍሊ እዩ።ብትምህርቱ ቀዳማይ ደረጃ እዩ ዝወፅእ ነይሩ።ንቐብሪ ምስ ወፃእና ድማ ኣይትቐብሩን ኢሎምና።ምስ ወላዲ ኣብኡ እውን ዕግርግር ተላዒሉ ንዕኡ እውን ክንቐትሎ ኢና ምስ በሉ ሰባት ለሚኖም ኣቡኡ ካብ ቀብሪ ኣትሪፎምዎ፣ንወዱ ከይቐበረ ተሪፉ" ኢለን​ ወ/ሮ ኢፍቱ ኣብደላ።

ወላዲ ኣቡኡ ንለሊሳ ኣቶ ኣሕመድ ዓብዱራህማን ቶኪሱ ዝቐተሎ ሰራሕተኛ እቲ ቀበሌ እዩ ክብሉ ብሽም ጠቒሶም ይኸሱ።

ንሶም​: "ንወደይ ቶኪሱ ዝቐተሎ ናይ ወያነ ሓሽከር እዩ።ሰንበት እዮም ቀቲሎምዎ።ኣብ ካሊእ ቦታ ነይረ፣ገዛ ምስ በፃሕኹ ኣስከሬን ወደይ ኣብ ገዛ ፀኒሑኒ፤ ዝጠርዓሉ እውን የብለይን።እታ ከተማ ኣብ ዝለዓለ ፍርሒ እያ ትርከብ።ወፂኢኻ ምምላስ ኣፀጋሚ ኮይኑ’ሎ" ኢሎም​።

ኣቶ ኣሕመድ ትማሊ ሰኒ ኣብዝተፈፀመ ስነስርዓት ቀብሪ ውላዶም ከምዘይተረኽቡ ገሊፆም ኣለው።

ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ኣወዳይ ኢንስፔክተር ግርማ ገላን ሞይቶም ብዛዕባ ዝተብሃሉ ኣብ ምፅራይ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

" ዝተፈለየ ተልእኾ ዘለዎም ንብረት መንግስቲ ንምዕናው ዝተልዓሉ ልኡዃት ናይ ኦነግ ጭርሖ ሒዞም ዘልዓልዎ ህውከት እምበር ሰላማዊ ሰልፍ ኣይኮነን።መንግስቲ ድማ ስቕ ኢሉ ኣይሪኦምን እዩ።ምልውዋጥ ቶኽሲ ክፍጠር ይኽእል።ቆልዓ ሞይቱ ትብሉዎ ዘለኹም ኣብ ምፅራይ ኢና ንርከብ።ኣብዚ ስዓት እዚ እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣውዒልናዮ ኣለና።ኩነታት ፀጥታ ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ’ሎ" ኢሎም​ ኢንስፔክተር ግርማ ገላን።

ምኽትል ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፓርቲ ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣቶ ሙላቱ ኣብቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ኦሮሚያ ብሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ተቐቲሎም ዝበሉዎም ልዕሊ ሽዱሽተ ምእቲ ምዃንይ ይዛረቡ ይብል ፀብፃብ ፅዮን ግርማ።

XS
SM
MD
LG