ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቃውሞ ሰልፊ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ኒዮርክ ፊት ንፊት ቤት-ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት


ካብ ዝተፈላለዩ ክፍለ ግዝኣታት ኣሜሪካ ዝመጹ ተወላዶ ኦሮሞን ካልኦትን ኣብ ኒዮርክ ኣፍደገ ሕቡራት መንግስትታ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ኣብ ፊት ንፊት ቤት-ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ተቃውሞ ሰልፊ ዝገብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ኦሮሞ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዘውርዶ ዘሎ ዝበሉዎ ግፍዕን ማእሰርትን ደው ይብል ክብሉ ሓቲቶም ኣለው።

ብተወሳኺ መረረቶም ዝገለጽሉን ነዚ ሕቶኦምን ዝሓዘ ደብዳበ ሕቡራት መንግስታት አረኪቦም'ለው።

እዚ ከምዚ'ኢሉ ኸሎ ዋላ'ኻ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ሒዙ ዘሎ ኦህዴው- ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ዴምክራስያዊ ውድብ ነቲ ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ህውከት ወሊዑ ዝነበረ ማስተር ፕላን ከተማ አዲስ ኣበባን ከባቢኣን ደው ከምዘበሎ እንተገለጸ'ካ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ተቃውሞ ግን ቀጺሉ ምህላው ጸብጻባት ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት እቲ ክልል ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍለ-ግዝኣት ኣሜሪካ ዝነብሩ ተወላዶ ኦሮሞ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:33 0:00
ተቃውሞ ሰልፊ ተወላዶ ኦሮሞ ኣብ ኒዮርክ ፊት ንፊት ቤት-ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:29 0:00

ኣብዚኣ'ሞ

ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራት ዋንጫ ዓለም 2026 ብኽንደይ ክዓቢ እዩ?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG