ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ሎሚ እውን ኣብ ገለ ከተማታት ከምዝቕፀለ ይግለፅ ኣሎ።ኣብ ዞባ ቦረና ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ነበርትን ብዝተኻየደ ግጭት ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 18 ምቑሳሎምን ተጠቒሱ’ሎ።
ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ከተማ ወሊሶ ድማ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ካልኦት ሕቶታትን ዝሓዙ ነበርቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምክያዶም ተሓቢሩ።
ትማሊ ዝተላዕለ ተቓሞታት ሎሚ`ውን ቀጺሉ ካብ ዝወዓለለን ከተማታት ሓንቲ ሻሸመኔ`ያ። ህዝቢ`ታ ከተማ ነቶም ትማሊ ዝሞቱ ንምቕባር ኣብ ዝወጻሉ እዋን ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዶር መረራ ጊዲና ይፈትሑልናን ካልኦት ዝተፈላለዩ መልእኽትታትን የመሓላልፍ ከም ዝነበሩ ነበርቲ ንቪኦኤ ሓቢሮም። "እህወደግ ኣኺልካና ኢኻ፡ ኢህወደግ ኣኺልካና፡ ኣኺልካና"
ብዝተኣሳሰረ ዜና ናይ ኦሮሚያ ገዛኢ ፓርቲ ኦህዴው ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብዝተኻየዱ ሰልፍታት ንዝጠፍአ ህይወትን ኣብ ንብረት ብዘጋጠመ ጉድኣትን ሓዘን ከምዝተሰምዖ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ኦሄዴው ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተሰምዖም ዓብዪ ሓዘን ብምግላፅ ኣብ ሻሸመኔን ዞባ ምዕራብ ሃረርጌን ጉድኣት ዘብፅሑ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ንመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ገሊፆም ኣለው።
ካልእ ንቪኦኤ ዝተዛረበ ወሃቢ-ቃል ኦሮምያ ኣዲሱ ኣረጋ፡ ኣብ ሻሸመኔን ካልኦት ኸተማታትን ብሓይልታት ጸጥታ ዝተቐትሉ 8 ምብጽሖም ብምግላጽ፡ ተሓተቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ ገሊጹ`ሎ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።