ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኦሮምያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ውዒሉ: ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም ልዕሊ 30 ምቑሳሎም ተሓቢሩ


ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ሎሚ ረቡዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተገይሩ ግን ገለ ክፋል`ቲ ሰልፊ ብሸነኽ ሓደ ወተሃደራዊ ካምፕ ክሓልፍ ከሎ፡ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ብዝኸፈትዎ ተኹሲ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 30 ከምዝቖሰሉን ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለዉ።

ኣብ ሃረር ኣብ ጨለንቆ ዝተባህለት ከተማ`ውን በቲ ተቓውሞ ሰልፊ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ኣንቦ ዝተኻየደ ሰልፊ ግን ብዘይ ግጭት ከምዝተጠናቐቐ ተገሊጹ`ሎ።

ኣብ`ቲ ኣብ ሻሸመኔ ዝተገብረ ሰልፊ ሰራዊት ፈደራል ክትኩሱልና ከለዉ ሰራዊት ኦሮምያ ኣብ ጎንና ኾይኖም ይኣልዩና ኔሮም ክብሉ ቃሎም ንድምጺ ኣሜሪካ ዝሃቡ ምንጭታት ሓቢሮም።ሓደ ነባሪ ሻሸመኔ በቲ ተኹሲ ሓደ ወዲ 70 ዓመት ዝኸውን ሽማግለ ሰብኣይ ከይተረፈ እናሓለፈ ኸሎ ብጥይት ተቐቲሉ ይብል ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ኣብ ሻሸመኔ ጎንጻዊ ተቓውሞ ከምዘሎን መንገዲ ተዓጺዩ ከምዘሎን ብምሕባር ዜጋታቱ ናብ ሻሸመኔ ገጾም ከይከዱ መኺሩ`ሎ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG