ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ


ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ።ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ከምኡ እውን ኣብ ሆሮ ጉድሩ ሶን ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ህይወት ሓደ መንእሰይ ከምዝሓለፈ ዝበጸሐና ዜና ሓቢሩ።

ሓደ ሽሙ ክገልጽ ዘየደለየ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣብ ወረዳ ጂማ ራሬ ከተማ ጎባን ሎሚ በዓል ጥምቀት ኣብ ዝተኸብረሉ ኣጋጣሚ እቲ ህዝቢ ኢህወዴግ ኣየመሓድረናን፣ ዝተኣስሩ ይፈትሑ ዝብሉ ጭርሖታት ምስማዕ ምስጀመሩ ሓይልታት መንግስቲ ቶኽሲ ከፊቶም ኢሉ።

ንሱ ብተወሳኺ 'ሎሚ መዓልቲ ሸለሞ ቴረሳ ዝተበሃለ ተማሃራይ ተቐቲሉ።ካልእ ወዲ 12 ዓመት ድማ ኣብ ርእሱ ተወቒዑ ኣብ ሆስፒታል ኣቲዩ’ሎ' ይብል።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ወረዳ ሚኤሶ ዝተጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሻብዓይ መዓልቱ ምሓዙን ብኡ መጠን እውን ማእሰርትን መውቃዕትን ምቕጻሉ ነበርቲ ንሪፖርተራት ኣፋን ኦሮሞ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኣብ ምብራቕ ሸዋ ከተማ ጉደር ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ሓይልታት ጸጥታ ስጉምቲ ወሲዶም ተባሂሉ’ሎ።ካብቲ ከባቢ ዘዘራረብናዮም ሰበስልጣን መንግስቲ ተወሲዱ ዝተባሃለ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ሓቂ ኣይኮነን ኢሎምዎ።ኣብ ገለ ከባቢታት ንሰበስልጣን መንግስቲ ንምዝርራብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:21 0:00

XS
SM
MD
LG