አምቦ —
ካብ ክልል ኦሮሚያ ዝተዋጽኡ ኣባላት ባይቶ፡ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ኲናት ብቕጽበት ደው ክብልን ፍታሕ ክወሃቦን ጸዊዖም።
እቶም ኣባላት ፓርላማ ነዚ ሕቶ`ዚ ከቕርቡ ንካልኣይ ግዜኦም ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 30 መዓልታት፡ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ንዕጡቓት ኦሮሚያ ናይ ሰላም መጸዋዕታ እንተቕረበ`ኳ፡ ዝቕጽል መስርሕ ሰላም ብዘይምጅማሩ ምዃኑ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ግጭት፡ ልክዕ ከምቲ ናይ ክልል ትግራይ ዝተፈተሓሉ ኩነታት ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክፍታሕ ምሕታቶም`ውን ጠቒሶም ኣለዉ።
ብዛዕባ`ዚ ጉዳይ ካብ ክልል ኦሮሚያ ኮነ ካብ ፈደራል መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰመረን።
፨፨፨