ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦፌኮን ኦነግን ኣብ ወለጋ ደብዳብ ነፈርቲ ተካይዱ ክብሉ እንከለዉ መንግስቲ ግን ነቲ ክሲ ይነጽግ


ክልል ኦሮምያ
ክልል ኦሮምያ

ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)ን ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ)ን፡ኣብ ምብራቕ ወለጋ ከምኡ ድማ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ሸዋ ብመጥቃዕቲ ኣየር ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም ክብሉ ከለዉ መንግስቲ ግን ሓሶት`ዩ ይብል ኣሎ።

ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰላማዊያን ሰባት ተቐቲሎም ክብል ከሎ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ሲቪላት ኣበየ ቦትኡ መጥቃዕቲ ይወርዶም ኣሎ ክብል ከሲሱ።

መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ነበርቲ ምዃኖም ዝገለጹ ሰባት`ውን ተዛሪቦም ኣለዉ።ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ኣብቲ ዝተባህለ ቦታ ናይ ኣየር ደብዳብ ከምዘይተኻየደ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዒላማ ሓይልታት መንግስቲ ሸኔ ንዝተባህሉ ዕጡቓት`ምበር ሲቪላት ኣይኮኑን ኢሎም።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብዛዕባ`ቲ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG