ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲና ብኢትዮዽያ ተጨውዮም ይብል ኦብነግ (ONLF)


ኣርማ ኦብነግ
ኣርማ ኦብነግ
ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ናይሮቢ ንክላዘቡ ዝላኣኽዎም ክልተ ላዕለዎት ኣባላት ኣመራርሓ ብመንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ ናይሮቢ ተጨውዮምኒ ኢሉ ከሲሱ ኦብነግ።

ኣባል ግንባር ነፃነት ኦጋዴን ተባሂሉ ዝፅዋዕ ጉጅለ ካብ ኮፐንሄገን ንቪኦኤ ክዛረቡ ከለው ”እቶም ልኡኻት ንሳልሳይ ዙር ልዝብ ከምዝተበገሱን ቅድሚ ትማሊ ካብ መንበሪኦም ምስ ወፁ ኣይተመለሱን።ሰለይቲ ኢትዮዽያ ብሞያሌ ኣቢሎም ናብ ኢትዮዽያ ከምዘእተውዎም ሰሚዕና‘ለና” ኢሎም።

ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮዽያ ሪኢቶ ንምስማዕ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን ዘሎ።ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ነቲ ክሲ ኣፃርዮም መልሲ ንክህቡና ገሊፆምልና‘ለው።ምስ ረኸብና ክነስመዐኩም ኢና ይብል ኣሉላ ከበደ ዘዋደዶ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG